Tuesday , April 23 2024

ኣብ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ታሪኾም ብ ወርቂ ቀለም ዘወቀጡ ኣሰልጠንቲ

* ጋናዊ ቻርለስ ጊማፊ > (1963,1965,1982) ናይ መጀመርያ ሰለስተ ዋናጩ ዝዓተረ ኣሰልጣኒ።
* ግብጻዊ ሓሰን ሸሓታ > (2006, 2008,2010) ናይ መጀመርያ ግዜ ሰለስተ ግዜ ኣከታቲሉ ዋንጫ ዝዓተረ ኣሰልጣኒ።
* ግብጻዊ መሐመድ ኣልጀውሃሪ > (1959,1998) ናይ መጀመርያ ከም ተጻዋታይን ኣሰልጣንን ዋንጫ ዝዓተረ ገዲም ተጻዋታይን ኣሰልጣንን።
* ናይጀርያዊ ስተፈን > (1994,2013) ካልኣይ ከም ኣሰልጣንን ተጻዋታይን ዋንጫ ዝዓተረ ህልው ኮኾብ ናይጀርያዊ።
* ፈረንሳዊ ሀርቭ ሬናርድ > እቲ እንኮ ምስ ክልተ ዝተፈላልያ ሃገራት (ዛምብያ 2012, ኣይቮሪ ኮስት 2015) ዋንጫ ዝዓተረ ኣሰልጣኒ።
ኣስትውዕል ኣንባባይ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዙሕ ግዜ ወጻእተኛታት ኣሰልጠንቲ ይቖጽራ እኮ እንተኾና በጀካ ሬናርድ እዚ ዘይሃስስ ታሪኽ ብ ደቂ ሃገር እዩ ተሰሪሑ ስለዚ ኣብ ሃገርካ ታሪኽ ዝስራሕ ብ ኢድካ እምበር ብ ገብሩለይ ኣይኮነን ወዳሕንኩም ኼር ዘለዎ መዓልቲ።
ወዲ ሳርቶ 11-01-2022
ካብ መዛግብቲ ታሪኽ ዋንጫ ኣፊሪቃ

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com