Wednesday , April 24 2024
Credit: Jonas Ekströmer/TT

ኣብ ግጥም ክልተ ጋንታታት ኲዕሶ እግሪ ስቶክሆልም ጎነጽ ተኸሲቱ።

ክልተ ጋንታታት ኲዕሶ እግሪ ስቶክሆልም ብቕድሚ ትማል ሰንበት ኣብ ዝገበራኦ ግጥም፥ ጎነጽ ከም እተኸስተ ተፈሊጡ። ጋንታታት
“ኤኣይኬ” ከምኡ’ውን “ዩርጋርደን” ኣብ ዝነበረን ግጥም “ዩርጋርደን” 1 ብ 0 ረቲዓ’ላ። እንተኾነ ግና ደገፍቲ “ኤኣይኬ”
ባርዕ ብምስንዳውን ነቲ ሜዳ ብምውራርን ረብሻን ጎነጽን ብምፍጣሮም፥ እቲ ጸወታ ንሓደ ሰዓት ክቋረጽ ተጌሩ ከም ዝነበረ

ተሓቢሩ። ብዘይካዚ ኣብቲ ጸወታ ተጻወትቲ “ኤኣይኬ” ክልት ቀያሕቲ ካርድ ድሕሪ ምርካቦም ረብሻ ምልዓሎም ሬድዮ ሽወደን
ጸብጺባ’ላ። በዚ ድማ ፖሊስ ብርክት ዝበሉ ኣብዚ ጎነጽ እተሳተፉ ደገፍቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ።
“ኤኣይኬ” ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ላዕለዎት ዲቪዥን ሽወደን ንሓንቲ ጋንታ ጥራይ ከም እትቅድም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዋና ኣካያዲ
ስራሕ እታ ጋንታ ማኑኤል ሊንበሪ ነዛ ጋንታ ምምሕዳር ጥቕሙ ስለ ዘይተራእዪ ብፍቓዱ ኣብ መዝነቱ ምውራዱ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com