Wednesday , April 24 2024

ኣብ ጎነጻዊ ገበን እተሳተፉ ብርክት ዝበሉ ኮተቴ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተፈሊጡ።

Credit: Johan Nilsson/TT

ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ሽወደን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት ስቶክሆልም፡ ቫስተራስን ማልምን ኣብ ጎነጻዊ ገበን እተሳተፉ ኮተቴ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ሎሚ መዓልቲ ወዲ 17 ዓመት ኮተቴ ናብ መጋባእያ ክቐርብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ንሱ ዓሚ ኣብ ቶክሆልም ኣብ ቤት መህነጺ ኣካላት ብምእታው ሓደ ሰብ ብጥይት  ምቕታሉ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ንሱ ነዚ ገበን ኣይወዓልኲዎን ክብል ናይ እምነት ክሕደት ቃሉ ሂቡ’ሎ።

ገበነኛታት ኮይኖም እተረኽቡ ትሕቲ ዕድመ ን ትካላዊ ክንክን ኣሕሊፎም ከም ዝወሃቡ ዝፍለጥ እዩ። ብፍላይ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ቆልዑ ግዱድ ክንክን ክወስዱ ይግበር እዩ። እንተኾነ ግና ኣኽባር ሕጊ ዳንኤል ሱነሰን፡ ነዚ ወንጀል ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ኮተቴ ናይ ብማእሰርቲ ክቕጻዕ ክጽዕር ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com