Saturday , April 20 2024
MARK RALSTON/TT

ኣብ ጠፈር ዝኸበረ ሆቴል ምስ ሕማቕ እንግዶቱ ኣጋይሽ ይቕበል!!

እዚ ሕማቕ እንግዶት ዘለዎ ኣብ ጠፈር ዝኸበረ ሆቴል ኣብ 2020 እዩ ክኽፈት። ብሕታውያን ኲባንያታትን በጻሕቲን ክስሕብ እዩ ተባሂሉ ኸኣ ትጽቢት ተጌርሉ’ሎ። ክሳብ ደርዘን ዝኾኑ ብሕታውያን በጻሕቲ ኣብ ዓመት ክቕበል ከኣ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። ዋጋ ሓንቲ ለይቲ ክሳብ 31 ሽሕ ዩሮ ኮይኑ ምስ መጓዓያ ጠፈር ወሲኽካ 50 ሚልዮን ዶላር ክበጽሕ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

እቲ ዋጋ ኣዝዩ ዓብዪ ይኹን’ምበር እንግዶት ግን እቲ ዝሓመቐ እዩ። ዝተጻረየ ሽንቲ ኢኻ ትሰቲ። ካብ ዓራትካ ተንሳፊፍካ መታን ከይትዂብልል ድማ ኣብ ዓራትካ ተጠሚርካ ኢኻ ትድቅስ። ይኹንምበር ንሰማያዊት ፕላኔትና ናይ ምርኣይ ግሩም ዕድል ከም ዝህልወካ እቲ ሓበሬታ የመልክት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com