Friday , March 29 2024
The sender was recovered after some detective work. File photo. (AP Photo/Rick Rycroft)

ኣብ ጥርሙዝ ኣትያ ብ1967 ዝተላእከት ደብዳቤ: ተረኺባ

ካብ ሆላንድ ዝመጹ ቱሪስት (በጻሕቲ) ኣብ እምባታት Grövelsjö ኣብ ትሕቲ ጭራሕ ኣእማን ሓንቲ ጥርሙዝ ኣብ ውሽጣ ኸኣ ብ 1967 ዝተላእከ ደብዳበ ምርካቦም ተገሊጹ።

እዛ ጥርሙዝ ኣብ ትሕቲ ኣእማን ንልዕሊ 50 ዓመታት ከም ዝጸንሐትን እታ ደብዳበ ዝተላእከትሉ ዕለት ድማ ሓምለ 15 1967 ከም ዝብልን እቶም በጻሕቲ ወሲኾም ገሊጾም። ለኣኺ እታ ደብዳቤ: ብሪይ ሉዊ: ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ ብኣድራሻ እታ ደብዳበ ለኣኺ ንምርካብ ፈተነ ተጌሩ እዩ።

ካብ ሆላንድ ፖስትካርድ ክንልእኽ እንተንኽእል ጽቡቕ ኔሩ ክትብል ነቲ ለኣኺ ክትረክብ ዝፈተነት ኣደ ገሊጻ። መወዳእትኡ እታ ጥርሙዝ ኣብ Årjäng ናብ እትርከብ ሰበይቲ ከም እተላእከት ተገሊጹ። እዛ ደብዳቤ ክተለኣኽ እንከላ ጓል 12 ዓመት ዝነበረት: ብሪት ሉዊን: ሽዑ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ዝነበረ ሓዋን ትሕዝቶኣ ንምንባብ ክኽእሉ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com