Saturday , April 20 2024

ኣብ ጥንታዊ መቓብር ግብጺ ብመድሃኒት ዝተዓቀበ ሬሳታት ኣናጹ ተረኺቡ።

ኣብዚ ስሉም መቓብር ብዘይካ”ዘን ኣናጹ ካልእ ብዙሕ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ናውቲን ዝነቐጹ እንስሳታትን ተረኺቡ ምህላዉ ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ።

እዚ መቓብር ልዕሊ 2ሽሕ ዓመታት ዝገበረ ምዃኑ ክኢላታት ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ናይ ቱቱ ዝተባህለ ላዕለዋይ በዓልመዚን በዓልቲ ቤቱን መቓብር እዩ ድማ ተባሂሉ’ሎ።

እዚ ካብ ከተማ ካይሮ ንደቡብ 390 ኪ.ሜ ኣብ ዝርሕቕ ቦታ ተረኺቡ ዝበሃል ዘሎ ጥንታዊ ኣርኪኦሎጂካዊ ቅርሲ መስሕብ በጻሕቲ ክኸውን እዩ ኢሉ ከም ዝሓስብ ሚኒስተር ጥንታዊ ሓድጊታት ምስሪ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com