Thursday , March 28 2024

ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝቐነዩ ሕሙማት፡ ቅልጡፍ ጥዕናዊ ምምሕያሽ የርእዩ

ብበዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ዝወጹ ኣሃዛት ከም ዘሕብርዎ፡ ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝቐነዩ ሕሙማት፡ ምስ ዝሓለፈ ጽድያ ክነጻጸር እንከሎ፡ ቅልጡፍ ጥዕናዊ ምምሕያሽ ብምርኣዮም፡ እቲ ናይ ምምሕያሽ ግዜ፡ ካብ 16 ናብ 9 መዓልታት ምውራዱ ብምሕባር፡ ናይዚ ተርእዮ ምኽንያት ከኸውን ከምዝኽእል ዝንገረሉ ድማ፡ ምምዕባል ሕክምና ጸረ ምርጋእ ደም (anticoagulant therapy) ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ብርክት ዝበሉ ካብቶም ብሓገዝ ቨንቲሌተር ዘስተንፍሱ ዝነበሩ ሕሙምት፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ካብኡ ምግልጋሎም ኣብ ኢስኪልስቱና ዝርከብ ሆስፒታል ሜላርስኽሁሰት (Mälarsjukhuset) ሓላፊት ኣሃዱ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝኾነት ካረን ፍሪሰል ሓቢራ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ሶልግሪንስካ ሓኪም ጸረ ረኽሲ፡ ማግኑስ ቨሰሊን፡ እቶም ኣብ ዮተቦሪ፡ ቅልጡፍ ጥዕናዊ ምምሕያሻት ዘርእዩ ዘለዉ ሕሙማት፡ ኣብ ክንዲ ብቐጻሊ ቨንቲሌተር ምጥቃም፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ካብ ቬንትሌተር ተኣልዮም ዝሓሹ መድሃኒታት ክጥቀሙ ብምኽኣሎም እዩ ኢሉ።

ካልእ ረቛሒ፡ ሕሙማት ቅድሚ ምልክታት ሕማም ምብርትዖም፡ ቅልጥፍ ኢሎም ናብ ሕክምናዊ ረድኤት ይመጹ ብምህላዎምን እዩ ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com