Thursday , April 25 2024
Dinendra Haria/TT

ኣብ ፕላስቲክ ተዓሺገን እተደርበያ ደማሙ

ኣብ ስካራ እተባህለ ቦታ፡ ክልተ ጥዑያት ደማሙ ኣብ ፈስታል ተዓሺገን ተደርብየን ተረኺበን። እዚ ድማ ኣብቲ ሕብረተሰብ ሓያል ግብረመልሲ ፈጢሩ።

እዚ ፍጻመዚ ብሓደ ኣኽላባቱ ዘዛውር ዝነበረ ሰብ እዩ ተሓቢሩ።

እተን ደማሙ ኣብ ናይ ስተንሁም ገዛ ደማሙ ተዓቝበን ኣለዋ።

– ብጥዕናአን እየን ዘለዋ፡ ቀልጢፍና ኢና ረኺብናየን፡ ትብል ኤቫ ሀልክቪስት ኣካያዲት ገዛ ደማሙ።

ሓንቲ 8-10 ኣዋርሕ ዝዕድመኣ ክትከውን ከላ እታ ካልአይቲ ድማ ኣስታት 8 ሰሙናት ዕድመ ዘለዋ እያ።

ኣብዚ እዋንዚ፡ እተን ደማሙ ብኽንክን ተታሒዘን ኣልዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com