Thursday , April 18 2024

ኣብ ፖላንድ፡ መዓልታዊ ክሳብ 20 ሽሕ ሰባት ብኮሮና ክልከፉ ከምዝኽእሉ ይግመት

ብመሰረት በዓል መዚ ጥዕና ፖላንድ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ምልክታት ሳልሳይ ማዕበል ኮሮና፡ መዓልታዊ ክሳብ 20 ሽሕ ሰባት፡ ብኮሮና ክልከፉ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ፡ ሓደስቲ መምርሒታት ክመሓላልፉ ምዃኖም ወሃብ ቃል በዓል መዚ ጥዕና ፖላንድ ንሬድ ፕላስ (Radio Plus) ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ።  

ኣብታ ከባቢ 38 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብርዋ፡ ሃገረ ፖላንድ፡ 45 ሽሕ ሰባት፡ ብሕማም ኮቪድ-19 ከምዝሞቱ፡ ኣሜሪካዊ ዩኒቨርስቲ ጆን ሆፕኪንስ ዝተባህለ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com