Saturday , April 20 2024
a view of the tomb of Marcus Venerius Secundio located in the necropolis of Porta Sarno east of Pompeii (Alfio Giannotti/Pompeii Archeological Park via AP) POM103

ኣብ ፖምፔይ: ዕሙር ባህላዊ ህይወት ምንባሩ ዘርኢ ምስክር ተረኺቡ

ኣብ ዓመተ 1979 ብባህርያዊ ሓደጋ ካብ ገጽ ምድሪ: ዝጠፍአት ከተማ ፖምፔይ: ዕሙር ባህላዊ ህይወት ከም ዝነበራ ዝምስክር መቓብር ከም እተረኽበ ተገሊጹ።

እዚ ብጽቡቕ ከም እተዓቀበ ዝንገረሉ መቓብር: ኣብ ዕድመ 60ታት ናይ ዝነበረ ሰብኣይ ዓስከሬን ከም እተረኽቦን ስም መዋታይ ድማ ማርኩስ ቫነሬስ ሰኩንድዮ: ምንባሩ ዘመልክት ብቋንቋ ግሪኽ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ከም እተረኽበ ተሓቢሩ። እዚ ሰብኣይ ፍሉጥ ናይ መድረኽ ተዋሳኣይ ምንባሩ እውን ተፈሊጡ። በዚ ድማ ኣብ ፖምፔ: ብዘይካ ቋንቋ ላቲን: ቋንቋ ግሪኽ ይዝረብ ምንባሩ ብዘየወላውል ክረጋገጽ ከም እተኻእለ እቶም ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ወሲኾም ገሊጾም።

ጥንታዊት ፖምፔይ: ተዋስኦታት ግሪኽ ተአንግድ ምንባራ ሓደ መርኣያ ዕሙር ባህላዊ ድባብ እቲ ግዜ እዩ ክብል መራሒ ናይቲ ኣርኪዮሎጂያዊ ዳህሳስ: ገብርኤል ዛክትሪጌል: ን NBC ሓቢሩ።

ፖምፔይ: ኢጣልያዊት ከተማ ኮይና: ካብ ኔፕልስ 20 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ጥንታዊት ከተማ እያ። ካብ እምባ ቨስቭዬስ (Mount Vesuvius) ዝነቐለ እሳተ ጎመራ ከጥፍኣ እንከሎ ተቐማጦ እታ ከተማ 13 ሽሕ ይበጽሑ ምንባሮም ሰነዳት ታሪኽ የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com