Thursday , April 25 2024
Photo by HO / Argentine Police / AFP

ኣብ 1980 ዝተጨውየት ኣርጀንቲናዊት ሰበይቲ ምስ ቤተሰባ ተጸንቢራ።

ኣብ 1980 ብዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ሰብ ተጨውያ ዝነበረት ኣርጀንቲናዊት ሰበይቲ ፖሊስ ኣርጀንቲናን ቦሊቭያን ብዘካየድዎ ልፍንታዊ ስርሒት ምስ ቤተሰባ ተጸንቢራ።

እዛ ሕጂ 45 ዝዕድሚኣ ሰበይቲ ፖሊስ ኣብ ቀረባ እዋን እዋናት ኣብ በርሜጆ (ደቡብ ቦሊቭያ) ከም እተራእየት ጽንጽንታ ቅድሚ ምስምዖም ተቐቢጻ እያ ኔራ።

ፖሊስ ድሕሪዚ ጽንጽንታ ኣላቶ ናብ ዝተባህለ ህንጻ ስርሒት ብምክያድ ንኣኣን ንወዲ 9 ዓመት ወዳን ካብ ማእሰርቲ ሓራ ኣውጺኦሞም።

ስም እዛ ኣደን ወዳን ዛጊት ብዕሊ ኣይተነግረን። ፖሊስ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ኣርጀንቲና ብዙሓት ሰባት ብዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ተጨውዮም ደሃዮም ከም ዘይፍለጥ ብምሕባር ” እዛ ሰበይቲ ዕድለኛ እያ፥ ናጻ ወጺኣ ዳግማይ ምስ ስድራኣ ተራኺባ’ላ ” ኢሎም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com