Saturday , April 20 2024

ኣብ 2 መሳጊድ ኒውዚላንድ 49 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ።

ኣብ ክራይስትቸርች ኒውዚላንድ ኣብ ክልተ መሳጊድ ብዝተገብረ ናይ ተዂሲ ኣርብዓን ትሽዓተን ሰባት ምሟቶምን እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እተራእየ ዝዓበየ ህልቂት ምዃኑን ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጃኪንዳ ኣርደን ነዚ ተግባር ግብረሽበራዊ ድሕሪ ምባል ኣብ ታሪኽ ኒውዚላንድ ጸልማት መዓልቲ እያ ኢላ።

ኣውስትራልያዊ እየ በሃላይ ዕጡቕ ኣብ ፌይስቡክ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ ዓሌታውን ጸረ-ስደተኛታትን መልእኽቲ ብቐጥታ ኣመሓላሊፉ’ሎ።

እዚ ሰብ ኣብ ዕስራታት ዕድመ ዝርከብ ኮይኑ ብቕትለት ተኸሲሱ ምህላዉ ፖሊስ ገሊጾም።

ክልተ ካልኦት ሰብኡትን ሓንቲ ሰበይትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ሓደ ካብዚኣቶም ከም እተፈነወን ተገሊጹ’ሎ።

ክሳብ ሕጂ ብዕሊ እተገልጸ ስም የሎን፥ ብርክት ዝበለ ብረትን ነተጒትን ድማ ኣብ ቊጽጽር ፖሊስ ኣትዩ’ሎ ክብል Mike Bush ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com