Friday , March 29 2024

ኣብ 2018 ብሰብ መዚ ናብ ሓፋሽ እተላእኩ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲታት ምውሳኾም ተገሊጹ።

ኣብ 2018 ብሰብ መዚ ናብ ሓፋሽ እተላእኩ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲታት ምስ ናይ ዓሚ ብምውድዳር ብዘይነዓቕ መጠን ምውሳኾም ተገሊጹ።

ካብ መፋርቕ ታሕሳስ ጀሚሩ 53 መልእኽቲታት ዝተሰዱ ክኾኑ እንከለዉ እዚ እቲ ዝለዓለ ቊጽሪ እዩ ተባሂሉ ተመዝጊቡ’ሎ።

ገለ ካብዞም ዝተላእኩ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲታት ዝሓለፈ ክረምቲ ምስ ተላባዒ ሓዊ ጫካ ዝተሓሓዙ 20 መልእኽቲታት ይርከብዎም።

ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ዓዓመቱ ካብ 15 ክሳብ 20 ዝኾኑ መልእኽቲ ይለኣኹ። ኣብ 2017 ግና ክሳብ ሎም ዓመት 46 መልእኽቲ ተመሓላሊፎም።

ቪኤሜ ኣገልግሎት ተጠንቀቕ መደብራት ሬድዮ ሽወደን ፕሮግራመን ንግዚኡ ኣቋሪጸን ንሰማዕቲ ናይ ሓደጋ መጠንቀቕታ ከጋውሓን ዝያዳ ሓገዝ ናብ ዝረኽቡሉ ቦታ ክሕብሩን ዝሕግዝ ትካል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com