Saturday , April 20 2024

ኣብ 2020 ኣብ ዩትዩብ ብዝሒ ተዓዘብቲ ካብ ዝረኸባ 10 ቪድዮታት

ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2020፡ ዩትዩብ፡ ብሚልዮናት ቪድዮታት ዝፍነወሉ ማዕከን ከም ሙዃኑ መጠን መግሓጢ ሚልዮናት ዶላራትን መሀብተሚ ብዙሓትን ኮይኑ ይርከብ።

ኣብዚ ዝሓለፍ ዓመት፡ ኣስታት 7.05 ቢልዮን ተመልከቲ ብምርካብ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝተሰርዔት ”ቤቢ ሻርክ ዳንስ” ትብል ናይ ህጻናት መዝሙር ኮይና ኣላ።

ኣብዚ ዓመተ 2020፡ ልዕሊ 7 ቢልዮን ተመልከቲ ዝረኸበት ” ዴስፖልቶ” ብቪድዮ ክሊብ ዝተስረሔት ሙዚቃ ኣብ ካልኣይ ደርጃ ክትስራዕ ከላ፣ ካልእ 5 ቢልዮን ሰዓብቲ ዝረኽበት ”ሼፕ ኦፍ ዩ” ዝተሰምየት ስርሓት ሙዚቃ ኣብ ሳልሳይ ደርጃ ተሰሪዓ።

እዚ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል  ዩትዩብ፣ ኣብ መልእ ዓለምና ዝርከብ ዝተፈላለየ ስርሓት ብምዝርጋሕ ምንጪ ኣታዊ ቡዙሓት ብሙኻን ካብ ዘገልግል ዘሎ ማእከን እዩ።

ዩትዩብ ኣብ 2005 ብ ሰለስተ ማለት ቻድ ሓርለይ፣ ስቲቭ ቼንን ጃውድ ከርም ዝተባህሉ ዝተማህዘ ኮይኑ፣ ትካል ጉጉል ዩትዩብ ካብ ዝተመስረተሉ ሓደ ዓመት ብምጽናሕ  ኣብ 2006  ብ 1.65 ብልዮን ዶላር ዋንነቱ ብምግባር፣ ስጋብ ሕጂ ከም ኣካል ብሙዃን ኣብ ምክያድ ይርከብ።

በዚ መስረት ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2020 ብዝሒ ሰዓብቲ ዝረኸባ 10 ፍርያት እዘን ዝስዕባ እየን

  1. Baby Shark Dance – Pinkfong kids songs and stories 7.05 ቢልዮን ሰዓብቲ
  2. Despacito – Luis Fonsi, featuring Daddy Yankee ሙዚቃ ኮይኑ 7.04 ቢልዮን
  3. Shape of you – ሙዚቃ  5.05 ቢልዮን ሰዓብቲ
  4. See You Again – Wiz Khalifa, featuring Charlie  Puth ሙዚቃ ብ 4.79 ቢልዮን
  5. Masha and the Bear – Recipe for Disaster – Get Movies ካርቱን ፊልም ብ 4.36 ቢልዮን
  6. Johny Johny Yes Papa- loooloo kids ናይ ህጻናት መዝሙር 4.14 ቢልዮን
  7. Uptown Funk – Mark Ronson, featuring Bruno Mars- ሙዚቃ 3.99 ቢልዮን
  8. Gangnam Style – psy ሙዚቃ 3.84 ቢልዮን
  9. Learning Colors- Colourful Eggs on a Farm- Moriska TV 3.65 ቢልዮን
  10. Sorry – Justin Bieber – ሙዚቃ ብ 3.36 ቢልዮን ሰዓብቲ እየን።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com