Friday , March 29 2024
FOTO: JONAS BILBERG

ኣብ Västerås ሓደ ሰብኣይ ብብዙሕ ጠያይቲ ከም እተወቕዐ ተገሊጹ።

ሎሚ ቐትሪ 45 ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ኣብ ከተማ Västerås ብብዝሒ ጠያይት ከም ዝቘሰለ ተገሊጹ። ፖሊስ እዚ ተግባር “ፈተነ ቕትለት” እዩ ኔሩ ክብሉ ገሊጾሞ’ለዉ።

እዚ ተዂሲ ኣብ ኢንዱስትርያዊ ዞባ እቲ ከተማ ኣብ ሰዓት 3:15 እዩ ኣጋጢሙ።

በዓል መዚ ፖሊስ Daniel Waikdal ናብ ሆስፒታል ከም እተወስደን ዛጊት ብዘለዎ መጒዳእቲ ብዛዕባቲ ገበን መብርሂ ክህብ ዘይምኽኣሉን ገሊጹ።

እቲ ግዳይ ብብዙሕ ጠያይቲ ከም እተወቕዐን ፖሊስ ነቲ ቦታ ገበን ብምኽርዳን መርመራ ምጅማሮምን ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com