Wednesday , April 24 2024

ኣብ Västerås ገዚፍ ወፈራ ፖሊስን ሄሊኮፕተራትን ተራእዩ።

ከተማ Västerås ከባቢኣን ብሄሊኮፕተራት እተሰነዩ ብዝሒ ዘለዎም ሓለዋ ፖሊስ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

ብመሰረት ተሌቪዥን ሽወደን ፖሊስ ነዚ ሓበሬታ ልክዕ ምዃኑ እኳ እንተረጋገጹ እንታይ ዘለ መስርሕ ይካየድ ምህላዉ ግና ናብ ዝርዝር ክኣትዉ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።

“ሓደ ሸቶ ዘለዎ ዓብዪ ስርሒት መርመራ ዝካየድ ዘሎ’ዩ ዝመስል” ድሕሪ ምባል ፖሊስ ስርሖም ድሕሪ ምውዳኦም ምሉእ ሓበሬታ ክህቡ ምዃኖም ገሊጹ’ሎ።

ድሒሩ ዝመጸና ዜና ከምዝሕብሮ ፖሊስ ከባቢ 5 ጥርጡራት ከምዝሓዙ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com