Saturday , April 20 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ኣቦመንበር ሰልፊ፥ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ንውሳነ ኔቶ ንቕድሚት ክደፍኦ ይኽእል እዩ ።

ንሽወደን ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፡ ሽወደን “ኣባል ኔቶ ትዂንዶ ኣይትዂን” ንዝብል ውሳነ ከቀላጥፎ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

እዚ ዜና ዝመጸ፡ ሓንቲ ጋዜጣ ፊንላንድ ብሰንበት፡ እታ ሃገር ኣብ መፋርቕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኣባል ኔቶ ክትከውን ድያ ወይስ ኣይክትከውንን ክትውስን ምዃና ድሕሪ ምፍላጣ እዩ። ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፡ ብዛዕባ ኣባልነት ኔቶ ዘለዎ ውሳነ፡ ኣብ ግንቦት 24 ከፍልጥ ምዃኑ ኣፍሊጡ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብታ ዕለት ጸኒዑ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ኣፍሊጣ’ላ። እንተኾነ ግና፡ ዋና ጸሓፊ እቲ ሰልፊ ቶቢያስ ባውዲን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ውሳነ ካብቲ ተዋሂቡ ዘሎ ዕለት ክቕልጥፍ ከም ዝኽእል ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com