Friday , April 19 2024

ኣትሌታት ክለብ ሽወደን ብሕጊ ክልኲል ሳብስታንስ ክወስዱ ምጽንሖም ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ኣትሌታት ሽወደን ብሕጊ ክልኲል መድሃኒታት ክወስዱ ምጽንሖም ተገሊጹ። እዞም ኣትሌታት ናብተን
ዝተኸልከለ መድሃኒት ብብዝሒ ዝርከበልን ሃገራት ምስ ከዱ እዮም እዚ ግዛዕ ወሲዶም ክትብል ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።
“ፈደሬሽን ኣትሌቲክስ ሽወደን” ኣብዘን ከምዚ ዝተባህለ ስግኣት ዘለወን ሃገራት፥ ናይ ልምምድ ካምፕ ከም ዘይተኸለ ዝፍለጥ
እኳ እንተኾነ፡ ከዋኽብቲ ኣትሌታት ሽወደን ከይተረፉ ነዘን ሃገራት ንልልምድ ብምምራጽ ናብኣተን ክኸዱ ምጽንሖም እቲ ዜና
ወሲኹ ኣመልኪቱ። ኣብ 2019 ኣብ ውድድር ሃገር ኣቋራጭ ጒያ፥ ግሎባ ፊሺያ ወርቂ መዳልያ ተዓዊቱ እኳ እንተነበረ፡ እዚ
ዘይሕጋዊ መድሃኒት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ መለማመዲኡ ከም ዝወሰዶ ምስ ተፈልጠ፡ መዳልያኡ ከም እተሓድገ ዝዝከር
እዩ። ብተመሳሳሊ ኣትሌት ዱሰፐ ማና ኩሱንጉ እውን፥ ኣብ ኬንያ ተመሳሳሊ መድሃኒት ምውሳዳ ከም እተረጋገጸ ሬድዮ ሽወደን
ጸብጺባ። እታ ኣትሌት ሰኣን ኣፍልጦ ዓብዪ ጌጋ ምፍጻማ፡ እንተኾነ ግና ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ሕጊ ክልከላ ብግቡእ ከም እትኽተሎ
ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ።
በዚን ወዲኸምዚን እቲ ፈደሬሽን ንካምፕ ልምምዳት ኣመልኪቱ መምርሒታቱ ከትርር ኣብ መጽናዕቲ ምህላዉ ኣመልኪቱ’ሎ።
ኣብ ከም ኬንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ክልኩል መድሃኒት ብቐሊሉ ከም ዝርከብ፥ ኣትሌታት ሽወደን እዚ ክወስዱ ድፍኢት ይግበረሎም
ምንባሩን ካልኦት ኣትሌታት ብስሪንጋን ካልእን ኣገባብ ነዚ መድሃኒት ክወስዱ ምርኣዮምን ሓቢሮም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com