Thursday , April 25 2024
Partiledare Annie Lööf får blommor efter att ha hållit inledningstal under Centerpartiets partistämma i Sigtuna. Foto: Anders Wiklund / TT / kod 10040

ኣኒ ሎፍ፤ ዳግማይ ከም መራሒት ሰልፊ ክትከውን ተመሪጻ

ሰልፊ ሰንተር፤ ዳግማይ ንኣኒ ሎፍ፤ ንዝቕጽል ክልተ ዓመታት፤ ከም መራሒት ሰልፊ ኮይና ንኸተገልግል መሪጽዋ ከምዘሎ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣኒ ሎፍ፤ ካብ ዓመተ 2011 ከም ምራሒት ሰልፊ ሰንተር ኮይና ተገልግል ዘላ እያ። ንሳን መራሒ ሰልፊ ስቨርያ ዲሞክራትና፤ ጂሚ ኦኪሶንን፤ እቶም ንሰልፍታቶም ዝነወሐ እዋን ዝመርሑ ኮይኖም ኣለዉ።
ካብ ዓመተ 2006 ጀሚራ፤ ኣኒ፤ ከም ኣባል ባይቶ ኮይና ካብ ምምሕዳር ከተማ ዮንሾፒን ዝተመርጸት እያ።
ኣብዚ መዝነት ንነዊሕ እዋን እኳ እንተጸናሕኩ፤ ከም እንደገና ንዓይ ምምራጽኩም፤ ብጣዕሚ ዘኹርዕ እዩ። ኣብዚ ኣገዳሲ ዝኾነ እዋን ምርጫ ንኽቅጽል ውን ሕጉስትን ድልውትን እየ ክትብል፤ ሎፍ፤ ኣብ ዝሃበቶ ሓጺር ቃል ገሊጻ።
ሊንዳ ሞዲግ፤ ካብ ኦቨርቶርኒያ፤ ኖርቦተን፤ ከምኡ ውን ማርቲን ኦዳል፤ ካብ ክተማ ስቶክሆሎም፤ ከም ምክትል ፕረዚደንታት ናይቲ ሰልፊ ኮይኖም ተመሪጾም ከምዘለዉ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com