Wednesday , April 24 2024

ኣንስተይቲ ጤል ከንቲባ ክትከውን ተመሪጻ።

እቲ ፍጻመ ኣብ ሓንቲ ፌየር ቪው ዝስማ ኣሜሪካዊት ከተማ እዩ ተሰሚዑ።

እዛ ሰለስት ሽሕ እኳ ዘይበጽሕ ህዝቢ ዝነብረላን ብናይ 19 ክፍለ-ዘመን ስነ-ህንጻዊ ቅድታታ እትፍለጥን ንእሽቶ ከተማ ነታ ሓዳስ ከንቲባኣ ሓንጐፋይ ኢላ ከም ዝተቐበለት ማዕከናት ዜና ሓቢረን ኣለዋ።

እታ ኸንቲባ ሊንከን ብዝብል ስም እትጽዋዕን 3 ዓመት ዝዕድሚኣን ኣንስተይቲ ጤላ ኣያ። እቲ ፍጻመ ምስ መዓልቲ ደቀንስትዮ ምግጣሙ ድማ ተደራቢ ፍሉይነት ረኺቡ ኣሎ።

ንናይ ሓደ ቤት ትምህርቲ መጻወቲ ጐልጐል ንምጽጋን ገንዘብ ክዋጻእ ኣብ ዝተሓስበሉ ኣጋጣሚ፡ ወነንቲ እንስሳ ኣብቲ ወፍሪ ምውጻእ ገንዘብ ክሳተፉ ንምትብባዕ ኣብዛ ከንቲባ ዘይጸንሓ ኸተማ እንስሳታት ንኸንቲባነት ዝወዳደሩሉ ምርጫ ከም ዝተኻየደ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይታ ኣብ ዞባ ኒው ኢንግላንድ እትርከብ ክፍለ-ግዝኣት ቬርሞንት ዝዀነ ጆ ጋንተር ይገልጽ።

ነበርቲ እታ ኸተማ ኣምሳያ እቲ ንመጸገኒ መጻወቲ ሜዳ ዝውዕል 5 ዶላር፡ ንኸንቲባነት ዝወዳደሩ እንስሳታቶም ክረቑሑ ዕድል ተዋሂብዎም።

ብኡ መሰረት ድማ እቲ ምርጫ ተኻይዱ። እታ ሊንከን ዝስማ ጤል ነቲ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ሳሚ ዝስሙ ኸልቢ ብኽልተ ድምጺ ብምስዓር ከንቲባ ኰይና ተመሪጻ።

ብመሰረት ሓበሬታ ጋንተር፡ ሊንከን ዝመጽእ ሰሉስ ኣብ ቅድሚ ሕሩይ ቦርድ እታ ኸተማ ቃለ መሓላ ክትፍጽም እያ።

ብድሕሪኡ ኣብቲ ንሓደ ዓመት ዝቕጽል መዝነታ ሓደ ካብቲ ዕማማታ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዝካየድ ምረሻ ምስታፍ ከም ዝኸውን Burlington Free Press ዝተባህለ ማዕከን ዜና ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com