Wednesday , April 24 2024
tanya-grypachevskaya-Oc0VsVlNy9U-unsplash.jpg

ኣንታርክቲካ፡ ንመድሃኒት ዝጻወር ዓሌት ባክተርያ ተረኺቡ።

ኣብ ኣንታርክቲካ፡ ን ጸረ ተሃዋስያንን ጸረ-ረኽሲን ዝጻወር ዓሌት ባክተርያ ከም ዝረኸቡ፡ ተመራመርቲ ገሊጾም ክትብል SVT ጽሒፋ። ምስ ምልዋጥ ክሊማ ዓለምና፡ እዚ በረዳት ኣንታርክቲካ ምስ ዝመክኽ፡ እዚ ባክተርያ ንጥዕና ዓለምና ኣስጋኢ ክከውን እዩ ክትብል፡ እታ መርበብ ሓበሬታ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። “እዚ ኣሻቓሊ ጒዳይ እዩ፡ ምኽንያቱ እዚ ባክተርያ እተረኽበሉ ክፋል ኣህጒር ኣንታርክቲካ፡ ሓደ ካብቶም ብዘገርም ፍጥነት አረዶም ዝመከሎም ዘሎ ከባቢታት እዩ” ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቺለ ተመራማሪ ኣንድረስ ማርኮሌታ ሓቢሩ’ሎ። “በረዱ መኺኹ እተቓልዐ ሓመድ እዛ ኣህጒር፡ በዚ ን ጸረ ተሃዋስያንን ጸረ-ረኽሲን ዝጻወር ዓሌት ባክተርያ ዝመልአ ምዃኑ ኣረጋጊጽና ኣሎና፡ እዚ ባክተርያ ካብዚ ቦታ እንድሕሪ ናብ ካልእ ዓዲ ገይሹ፡ ሓደገኛ ኣህጒራዊ ለበዳ ከስዕብ ይኽእል እዩ”” ክብል ማርኮሌታ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com