Friday , April 26 2024
UN Secretary-General Antonio Guterres (Maxim Shemetov, Pool via AP) XAZ128

ኣንቶንዮ ጉቴሬዝ፡ ንተወሳኽቲ 5 ዓመታት ኣብ መዝነት ክጸንሕ ምዃኑ ተሓቢሩ

ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንወዲ 72 ዓመት፡ ኣንቶንዮ ጉቴሬዝ፡ ን5 ተወሰኽቲ ዓመታት ኣብ መዝነቱ ክጸንሕ ከምዝሓረዮ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ጉቴሬዝ፡ ኣብ መዝነቱ ንኽቕጽል ወሲኑ እኳ እንተነበረ፡ እዚ ብሓፈሻዊ ባይቶ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ነቲ ውሳነ ወግዓዊ ከምዝኸውን ጌርዎ ኣሎ።
ኣንቶንዮ ጉቴሬዝ፡ ካብ 1995 ክሳብ 2002 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ፖርቱጋል፡ ክሳብ 2005 ድማ ከም መራሒ ሰልፊ ሶሻሊስት ኢንተርናሽናል፡ ካብ 2005 ክሳብ 2015 ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ከም ዝሰርሐ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com