Thursday , April 25 2024
Meng Wanzhou, chief financial officer of Huawei, (Darryl Dyck/The Canadian Press via AP) VCRD103

ኣካያዲት ስራሕ ሁዋዌይ፡ ነጻ ተለቒቓ

ኣብ ካናዳ ተኣሲራ ዝጸንሐት ቻይናዊት ኣካያዲት ስራሕ ኩባንያ ሁዋዌይ፡ ሜንግ ዋንዡ፡ ካብ ትሕቲ ቀይዲ ተለቒቓ።

እዛ ናይ ቴክ ክኢላ፡ ኣብ ካናዳ፡ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ተኣሲራ ምጽንሓ ይዝከር። ትማል ቀዳም ዝተፈትሐት ሜንግ፡ ብቐጥታ ናብ ቻይና ምብራራ፡ ምንጭታት ይዛረቡ።

ኣብ 2018፡ ቻይና ንማይክል ስፓቨርን ማይክል ኮቭሪግ ብስለያ እኳ ኣንተኸሰሰት፡ እዚ መግበሪኣ ነቲ ካናዳ ዝወሰደቶ ስጒምቲ ምእሳር ሜንግ፡ ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ሎ።

ምፍታሕ ሜንግ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ምዕራብን ቻይናን ተፈጢሩ ዝጸንሐ ወጥሪ፡ ገለ መዝለቒ ከም ዝፈጥር ተስፋ ተነቢርሉ’ሎ።

ክልቲኦም ዜጋታት ካናዳ ተፈቲሖም ናብታ ኣብ ምዕራብ ካናዳ ትርከብ ከተማ ካልጋሪ ምስ ኣተዉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ፡ ጃስቲን ቱሩዶ፡ ከም ዝረኸቦም ተፈሊጡ።

ሜንግ ንቻይና ድሕሪ ምእታዋ “መወዳእትኡ ንዓደይ ኣትየ እነኹ፥ ባንዴራ ቻይና ኣብ ዘለዎ ተስፋ ኣሎ፥ ተስፋ ሕብሪ ኣለዎ እንተኾይኑ፡ ቀይሕ እዩ–ከም ባንዴራ ቻይና ሃገረይ ” ኢላ።

ሜንግ ብኣመሪካ እኳ እንተተኸሰት፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቻይናን ድሕሪ ዝተኻየደ ልዝብ፡ ተፈቲሓ ምህላዋ ናይ ቀረባ ምንጭታት ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com