Friday , March 29 2024
Credit: Matt Dunham/AP

ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን ክሲ ሳላንጅ ዳግማይ ይኸፍቱ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን ቅድሚ ሕጂ ተዓጽዩ ዝነበረ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ሳላንጅ ክኸፍቱ ምዃኖም ብሰኑይ ገሊጾም ኣለዉ።

መስራቲ ዊኪሊክስ ዝነበረ ኣሳንጅ ኣብ ሽወደን ተኸፊትዎ ዝነበረ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ 2017 ምዕጻዉ ዝዝከር ኮይኑ ሓንቲ ካብተን ከሰስቱ እቲ ጒዳይ ዳግማይ ክኽፈት ምግባራ ይግለጽ ኣሎ።

ኣሳንጅ ብ 2010 ናብ ሽወደን ድሕሪ ዝገበሮ መገሻ እዩ እቲ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ክሲ ዝሰዓበ።

ንሱ እቲ ዝገበሮ ጾታዊ ርክብ ብፍታው ናይተን ደቀንስትዮ ምንባሩ ብምግላጽ “ፍጹም ኣይወዓልኩዎን” እዩ ዝብል።

ድሕሪ ምጅማር እቲ ክሲታት ኣሳንጅ ናብ ኣመሪካ ከይስትለም ብምፍራህ ናብ ኤምባሲ ኤክዋዶር ኣብ ላንደን ፖለቲካዊ ዕቚባ ሓቲቱ ኔሩ።

ኣሳንጅ ኣብቲ ኤምባሲ ን ሾብዓተ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ጽድያ ክወጽእ ከም እተገብረን ኣብ ኣመሪካ ብስርቂ ሓበሬታ ኮምፕዩተር ክሲ ይጽበዮ ምህላዉን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com