Friday , April 26 2024

ኣኽባር ሕጊ ሽወደን ሓሙሽተ ሰባት ብክሲ ግብረ ሽበራ ናብ ቤትፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ገሊጹ።

ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን( ሴፖ) ብወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝገበሮ ዕዉት ስርሒት ኣብ ኣካላ ዝተባህለ ክፋል ስቶክሆልም ከምኡ’ውን ስይሮምሱንግ ብዙሓት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምውዓል ንሽወደን ካብ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዘድሓና ገሊጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ፖሊስ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ስቶክሆልም ንግብረ ሽበራ እናተዳለዉን እናመወሉን ዝረኸብዎም ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝሓዙን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ሰለስተ ካብዚኦም ሚያዝያ 30 እቶም ክልተ ድማ ኣብ ወርሓ ሰነን ሕዳርን ዝተታሕዙ ኮይኖም ዜጋታት ኡዝበኪስታንን ኪርጊስታንን እዮም።

ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ በርንድ ክቪስት ንኣገልግሎት ዜና ቲቲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብዚ ሰሙንዚ ብግብረሽበራ ክኸሶም ምዃኑ ተወሳኺ ሓበሬታ ግና ንግዚኡ ከም ዘይህብ ኣፍሊጡ።

ንሓደ ካብዞም ክሱሳት ዝቖመ ጠበቓ ዓሚሊ ብዘይመርዖ ከም እተኸሰ ብምግላጽ ናብ ቤትፍርዲ ከሕልፎ እየ ኢሉ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ብውሑዱ ሓደ ካብዞም ክሱሳት ምስ ራህማት ኣኪሎቭ ርክብ ኔርዎ እዩ።

ራህማት ኣኪሎቭ ብ 2017 ኣብ ዶትኒንጋታን (ማእከላይ ስቶክሆልም) ብዝፈጽውሞ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንሕልፈት ከም እተኣስረ ይዝከር።

ክኢላ ግብረሽበራ ማግኑስ ራንስቶርፕ ብወገኑ ሓሙሽተ ሰባት ንግብረ ሽበራ እናተዳለዉ ተረኺቦም ዝብል ክሲ ክቕርብ ኣገራሚ እዩ።

ብመሰረት ኮሌጅ ሃገራዊ ምክልኻል ሽወደን ካብ 2005 ንደሓር ኣርባዕተ ክሲታት ግብረሽበራ እየን ተለልየን ዘለዋ። ” ዝበዝሕ እዋን ሓደ ሰብ እዩ ዘሎ፡ ብዙሓት ክህልዉ ሳሕቲ ዝርአ ኣጋጣሚ’ዩ” ኢሉ።

ኲሎም ክሱሳት ነቲ ክሲ ነጺጎሞ’ለዉ። ጠበቓ ወዲ 46 ዓመት ክሱስ ዝኾነ ቶማስ ኦልሰን እዚ ጒዳይ ምቕራቡ ከም ዘገረሞ ገሊጹ።

” እዚ ክሲ ተባሂሉ ናብ ምጋባኣያ ይቐርብ ምህላዉ ዘገርም እዩ። ዝኾነ መርትዖ ዘይብሉ፥ መሰረት ዘይብሉ ክሲ እዩ” ብምባል ኣዋዲቕዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com