Wednesday , April 24 2024

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርዝር ምወላ ግብረሽበራን ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብን ይሰርዓ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንስዑዲ ዓረብ: ፓናማን ናይጀያን ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብን ምወላ ግብረሽበራን ብምውፋረን ንቕጽሪ እቲ ሕብረት ናይ ጸጥታ ስግኣት ምዃነንን ኣብ ጸሊም ዝርዝር ከም ዝእተወንን ገሊጹ።

ምስ ስዑድያ ጥብቕ ዝበለ ናይ ንግድ ርክብ ዘለወን ገለ ኣባላት እዚ ሕብረት ነዚ መግለጺ ዘለወን ተቓውሞ ኣስሚዐን ኣለዋ።

እንተኾነ እቲ ኮሚሽን ነዚ ስዑዲ ዓረብ ካብቲ ዝርዝር ክትእለ ዝብል ጥርዓን ነጺግዎ’ሎ። ኣብዚ ዝርዝር ዝተኻተታ ሃገራት ዛጊት 23 ኮይነን ቦትስዋና፡ ጋና፡ ሳሞኣ ባሃማስ፡ ኣርባዕተ ግዝኣታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ፖርቶሪኮ፡ኣመሪካን ሳሞኣ፡ ዩኤስ ቪርጂን ኣይላንድስ ከምኡ’ውን ጉዋም) ይርከበአን።

ካልኦት ተጠቒሰን ዘለዋ ሃገራት ሊብያ፡ኢትዮጵያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሰሜን ኮርያ፡ ኢራን፡ ዒራቕ፡ ፓኪስታን፡ ሽሪላንካ፡ ትሪናዳድን ቶጌጎን፡ ቱኒዝያን የመንን እየን።

ቦዝንያን ሄርዘጎቪናን ጉያና ላኦስ ኡጋንዳን ቫኗቱን ካብቲ ዝርዝር ተሰሪዘን ኣለዋ።

ኣብዚ ዝርዝር ዝኣተዋ ሃገራት ብዘይካቲ እዚ ዘምጽኦ መዘዝ ምስ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘለወን ፋይናንሳዊ ዝምድና’ውን ከም ዘሐርፍፎ ይግለጽ።

ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ዝርዝር ከጽድቓ ናይ ወርሒ ግዜ ተሪፉወን ኣሎ።

ንክልተ ኣዋርሕ ከናውሖኦ ከም ዝኽእላ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ዝበዝሓ ክነጽጋኦ ትጽቢት እኳ እንተሎ ሃንዳሲት እዚ ዝርዝር ኮሚሽነር ፍትሒ ቬራ ጉሮቫ ኣባላት ሃገራት ካብ ምጽዳቕ ኣይክዓግትኦን እየን ዝብል እምነት ከም ዘለዋ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com