Thursday , April 25 2024

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንስዑዲ ዓረብ ኣብ ጸሊም መዝገብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ምምዝጋብ ይኣቢ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዓርቢ ነቲ ንስዑዲ ዓረብን ኣርባዕተ ግዝኣታት ኣመሪካን ኣብ ጸሊም መዝገብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ክምዝገባ ዝብል እማመ ነጺግዎ።

ስዑዲ ዓረብ ገንዘብ ብምዝውዋር ግብረሽበራውያን ኣብ ምምዋል ተውዕሎ ኣላ ዝብል ክሲ ክወርዳ ምጽንሑ ሮይተርስ ጸብጺቡ’ሎ።

ስዑዲ ዓረብ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዙሕ ኣጽዋርን ኣቕሑን እትሽምት ሃገር ኣብ ልዕሊ ምዃና እዚ እማመ ከይትግበር ብዙሕ ጸቕጢ ክትገብር ምጽንሓ ይፍለጥ።

ወከልቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዓርቢ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣብዚ ጒዳይ ንዝወጸ መግለጺ ከም ዝድግፍዎ ብምግላጽ ሓሙስ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሚኒስተራት ፍትሒን ውሽጣዊ ጒዳያትን ክጸድቕ ዝብል ትጽቢት ከም ዘለዎም ገሊጾም ኣለዉ።

“ነዚ እማመ ኣይንድግፎን ኢና። ዝተዳልወሉ ኣገባብ ግሉጽነት ዘለዎ ኣይኮነን” ኢሎም ኣለዉ።

ማዕከን ገንዘብ ኣመሪካ ግዝኣታት ኣመሪካ ዝኾና ኣመሪካን ሳማኦ ቪርጂንያ ኣይላንድስ ፔርቶ ሪኮን ጋውምን ኣብዚ ዝርዝር ምእታወን ከም እትቃወም ብምግላጽ ነቲ እማም “ኣበር ዝበዝሖ” ብምባል ኣዋዲቓቶ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com