Saturday , April 20 2024
TT

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንሽወደን ኣጠንቂቑ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ሽወደን ካብ ማዕከን AMIF ሓደ ቢልዮን ክሮነር ከተውጽእ ኣጠንቂቑ’ሎ።

እዚ ዝመጸ ሽወደን ካብቲ ዝግባእ ንታሕቲ ገንዘብ ንስደተኛታት ሓተትቲ ዕቚባን ትጥቀም ኣላ ብዝብል እዩ።

ብመሰረት ጋዜጣ Dagens Nyheter ኣውሮጳዊ ሕብረት 3 ቢልዮን ክሮነር ንስደተኛታትን ሓተትቲን ዕቚባን ኣብ ሽወደን ንምድጋፍ ወጻኢ ጌሩ’ሎ።

ክሳብ ሕጂ ግና ሽወደን ሓደ ሲሶ ናይዚ ገንዘብ (26% ጥራይ) እያ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕል ጌራ ዘላ ይብል እቲ ጸብጻብ።

ዳይረክተር ጀነራል ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቚባን Paraskevi Misho ን ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ኣውሮጳዊ ሕብረት በቲ ሽውደን ትገብሮ ዘላ ሕጒሳት ኣይኮንና ምባሉን ንምዕባለታት ብደቂቕ ይከታተል ምህላዉን ገሊጹ’ሎ።

UNHCR ንባዕሉ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ናብ ሓላፊ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ምልኣኹን ነቲ ሽግር ንምእላይ “ኲሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጒምቲታት ክወስድ” ከም ዝተላበዎን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com