Friday , March 29 2024
Foto: Henrik Montgomery / TT kod 10060

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ መራኽብ ሩስያ ዘንበሮ እገዳታት ውጽኢታዊ ኣይኮነን ተባሂሉ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበሮ እገዳታት ክትግበር ብዘይምኽእሉ፡ ውጽኢታዊ ዘይምዃኑ ን ሰራሕተኛታት መዐሸግ መራኽብ ሽወደን ዝውክላ ማሕበራት ገሊጸን።

ሓደ ማሕበር፡ ብሩስያ ዝውነና ወይ ናይ ሩስያ ባንዴራ ዘንበልብላ መራኽብ ክጽዕን፡ ወይ ጽዕነተን ከራግፍ ከም ዘይደሊ ክገልጽ እንከሎ፡ ካልእ ድማ፡ ካብ ባሕቲ ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ እዘን መራኽብ እገዳ ከንብር ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ካብ እትፍጽም ንደሓር፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሌኣ ዝተፈላለዩ እገዳታት ምጽዓኑ ዝፍለጥ እዩ።.


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com