Thursday , March 28 2024
Sydney Opera House at dawn in Sydney, (Mick Tsikas/AAP Image via AP) AAPTT802

ኣውስትራልያ፡ ዕጽዋ ዘኽብር ሰራዊት ተዋፍር

ኣብ ከተማ ሲድኒ፡ ኣውስትራልያ፡ ዕጽዋ ንኽኽበር ኣማኢት ሰራዊት ተዋፊሮም ምህላዎም ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ብዝተኸስተ፡ ደልታ ዝተባህለ ጅር ኮቪድ፡ 3000 ሰባት ከም እተለኽፉን 9 ድማ ከም ዝሞቱን ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ። ሰራዊት ኣውስትራልያ፡ ኣብታ ሃገር ብዘይዕጥቂ ኣጽዋር ዝካየድ ምቊጽጻር ሕጊታት ኮቪድ ንምክያድ ቀዳመ ሰንበት ስልጠና ድሕሪ ምውሳድ ሰኑይ ክዋፈሩ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ምውፋር ሰራዊት፡ ኣድላዪ ኣይነበረን ክብሉ፡ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ነቲ ስጒምቲ ይነቕፍዎ ኣለዉ።

ኣብ ኣውስትራልያ፡ ክሳብ 28 ነሓሰ ተጻዒኑ ዘሎ ዕጽዋ፡ ብዘይካ ንኣዝዩ ኣገዳሲ ሸመታ እንተዘይኮይኑ ሰባት ኣብ ቤቶም ክጸንሑ ዝእዝዝ እዩ። ኣብ ሲድኒ፡ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ሳምንታት ዕጽዋ እውን እንተኾነ ቊጽሪ ተለከፍቲ እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com