Wednesday , April 24 2024

ኣውስትርያ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ንቡር ማስክ፡ FFP2 ምጥቃም ትጠልብ

ልዕሊ 14 ዓመት ዝዕድሜኦምን ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ድኳናት፡ ኣብያተ መድሃኒትን ሆስፒታላትን ዝጥቀሙ ኩሎም ኣብ ክንዲ እቲ ንቡር ማስክ፡ ብሬስፕራቶሪ ማስክ ዝፍለጥ (FFP2) ንኽጥቀሙ ከም ዝኣዘዘት ተፈሊጡ። በዚ ድማ ኦስትርያ፡ ነዚ ብምእዛዝ ፋልመይቲ ኤውሮፓዊት ሃገት ኮይና ኣላ። እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ንጥኑሳትን ናይ ምስትንፋስ ሕጽረትን ንዘለዎም ሰባት ዘይምልከት ምዃኑ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ሕጊ ምስ ካልኦት ዝጸንሑ ሕግታት ብምንጽጻር ኣብ ዜጋታት ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ድማ ተገሊጹ።

ተቐማጢት ቪዬና ዝኾነት ጓል 24 ዓመት፡ ሃና ዝወግነር ን ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ “ነዚ መምርሒ እንድሕር ብግቡእ ተኸቲልናዮ ምስ ምጅማር ክትባት ኲነታት ናብ ጽቡቕ ክቕየር ይኽእል እዩ” ኢላ።

እዚ FFP2 ዝተባህለ ሬስፓራቶሪ ማስክ፡ ንኸም ቫይረስ ዝበሉ ደቀቕቲ ነገራት ብምዕጋት፡ ናብ ስርዓተ ምስትንፋስ ከምዘይበጽሑ ዝገብር ኮይኑ ክሳብ 94% ውጽኢታዊ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ኦስትርያ ክሳብ 50 ክሮና ይሽየጥ ምንባሩ ሕጂ ግና ኣብ ኩሎም ዱኳናት ብ 6 ክሮና ክርከብ ከም ዝኽእል ድማ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብ መዚ ንድኻታትን ትሑት ኣታዊ ዘለዎምን ዜጋታት FFP2 ምዕዳሎም ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ መጀምርታ ወርሒ ታሕሳስ፡ መንግስቲ፡ ንኻልኣይ ዙር ዕጽዋ ከም ዝዛዘመ፡ እንተኾነ ግና ኣብ ዝሓጸረ እዋን እቲ ለበዳ፡ ቅልጡፍ ናህሪ ምርኣዩ ድማ ተመልኪቱ። መንግስቲ ኦስቲርያ፡ ሳልሳይ ዕጽዋ ብምእዋጁ፡ ነቲ ኩነታት ክሳብ 8 ለካቲት ከናውሖ ድሌት ከም ዘለዎ እውን ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com