Thursday , March 28 2024

ኣድማዕነቱ 95% ዝኾነ ሓድሽ ኣሜሪካዊ ክታበት ጸረ ኮሮና ምርካቡ ተፈሊጡ

ኣሜሪካዊ ኩባንያ ሞደርና፡ ናይቲ ዘማዕበሎ ጸረ ኮሮና ክታበት ውጽኢት፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ፈተነ፡ ኣድማዕነቱ ክሳብ 95% ምብጽሑ ሓቢሩ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ገሊጹ።

እዚ መድሃኒት ኣብ ልዕሊ 30ሽሕ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ዝዓሌቶም ሰባት (ኣፍሪቃ፡ ኤስያ፡ ኣመሪካን ላቲኖን) ከም ዝተፈተነን፡ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘይተመዝገበን እቲ ኩባንያ ሓቢሩ።

በዚ መሰረት፡ ኣመሪካ፡ ቅድሚ ምዝዛም እዚ ዝሓዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ክልተ ዓይነት መድሃኒት ክታበት ክህልዋ እዩ ክብል ጋዜጣ ዋሺንተን ፖስት ሓቢሩ።

ናይ ኩባንያ ሞደርና መግለጺ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናይ ዓበይቲ ኩባንያታት ኣሜሪካዊ ፋይዘርን  ጀርመናዊ  ባዮንቴክን ኣድማዕነቱ 90% ዝኾነ መድሃኒት ኮሮና ከምዝረኸቡ ምሕባሮም እዩ።

ኩባንያ ሞደርና፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ዝመጻ ሒደት ሳምንታት፡ እዚ ክታበት፡ ንህጹጽ እዋን ንኽውዕል፡ ፍቓድ ክሕተት ምዃኑ ዝሓበረ፡ እቲ ኩባንያ ኣቐዲሙ፡ ኣድማዕነት መድሃኒቱ፡ 70% ውጽኢታዊ ምዃኑ እንተድኣ ተመስኪሩሉ፡ ካብ ሰብመዚ ጥዕና ፍቓድ ክሓትት ምዃኑ ኣፍሊጡ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።

ኣወሃሃዲ ክታበታት ሽወደን፡ ሪቻርድ ፔሪስትሮም፡ ምስ ኩባንያ ፋይዘር፡ መድሃኒት ክታበት ንምርካብ፡ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። ኩሉ በቲ ሓንጺጽናዮ ዘሎና ውጥን እንድሕሪ ከይዱ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021፡ክታበት ጸረ-ኮሮና ምሃብ ክንጅምር ኢና ይብል ፔሪስትሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com