Tuesday , April 23 2024
STOCKHOLM 20200821 Resenärer vid tunnelbana vid Gullmarsplan tunnelbanestation. Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ናይ 15 ቢልዮን ክሩና፡ ክሳራታት ከጋጥሞ ከምዝኽእል ገምጋማት ይሕብሩ

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ብዘስዓቦ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ናይ 15 ቢልዮን ክሩና፡ ክሳራ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ካብቲ በዓል መዚ ዝተረኽበ ሓድሽ ፋይናንሳዊ ገምጋም ይሕብር።

ኣብ መላእ ሃገር ዝካየድ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ሓላፍነትና ስለዝኾነ፡ ንኸይቋርጽ ብዘለና ዓቕሚ ንሰርሕ’ኳ እንተሃለና፡ ክሳብ’ዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ካብ መንግስቲ ዝረኸብናዮ ሓገዝ የለን ክብል ሓላፊ ምምሕዳር’ቲ በዓልመዚ ክሪስቶፈር  ታምሶንዝ ንሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ።

ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ኣብ ቁጠባ ሃገር፡ ዓቢ ተራ ከምዝጻወት ርዱእ ኮይኑ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ድማ፡ ኣብ ዝቐረበ እዋን፡ ካብ መንግስቲ፡ ሓገዝ ክረክብ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ትሕተ ቕርጺ፡ ቶማስ ኢንሮስ፡ ምስ ሬድዩ ኢኮት ኣብ ዝካየዶ ርክብ ኣተንቢሁ።

ምምሕዳራት ሽወደን፡ እተን ናይ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ሓላፍነት ዝስከማ ምዃነን፡ እቲ ሚኒስተር ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com