Friday , March 29 2024
TT

ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ

ካብ መርበብ ሓበሬታ በዓል መዚ ኢመግረሽን
Familjeåterförening – tigrinska

ስድራኻ ናብ ሽወደን መጺኦም ምስኻ ንኽቕመጡ ዘሎካ ዕድል፤ በቲ ዝተዋህበካ መቐመጢ-ፍቓድን፤ ናይ ዑቕባነት-ደረጃ ዓይነትን ዝተመስረተ እዩ። ምስ ስድራኻ ዳግመ-ምትእኽኻብ ክትገብር እንተ ተፈቒዱልካ፤ እቲ ”ነብስኻ ናይ ምንባይ ጠለብ” (försörjningskrav) ይምልከተካ እዩ።

ዋላኳ ንስኻ መቐመጢ-ፍቓድ ረኺብካ እንተዄንካ፤ ስድራቤትካ ናባኻ ናብ ሽወደን መጺኦም ንኽቕመጡ ዘሎዎም ዕድል፤ ርጉጽ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። እንተደኣ ቀዋሚ ዝዀነ መቐመጢ-ፍቓድ ረኺብካ ዄንካ ወይ እቲ ዝተዋህበካ ናይ ዑቕባነት ደረጃ ”ስደተኛ” ዚብል ተዋሂቡካ ግን፤ ስድራቤትካ ናባኻ ናብ ሽወደን ንምምጻእ፤ ምልክታ ንመቐመጢ-ፍቓድ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። እንተ ደኣ እቲ ”ኣማራጺ ዑቕባነት ከም ዘድልዮ ሰብ” ዚብል ተዋሂቡካ ግን፤ ስድራቤትካ ናብ ሽወደን ንምምጻእ ዘሎዎም ዕድል፤ ኣዝዩ-ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።

መን ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ መሰል ይህልዎ?

መሰል ናይ ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ መሰል ንኽህልወካ፤ በቲ ዝተዋህበካ ደረጃ-ዑቕባነትን (skyddsstatus)፤ ኣብ ገለ ኩነታት ድማ፡ እቲ ዑቕባ ዝሓተትካሉ እዋን መዓስ ከም ዝዀነን ዝተመርኰሰ እዩ።

ስድራቤትካ ናብ ሽወደን ናባኻ ንምምጻእ፤ ናይ መቐመጢ-ፍቓድ ምልክታ ከቕርቡ ዕድል ዚህልዎም፤ እንተ ደኣ ንስኻ፡-

  • ቀዋሚ ፍቐመጢ ፍቓድ ኣልዩካ
  • ”ስደተኛ” ዚብል ናይ ”ዑቕባነት-ደረጃ” ረኺብካ
  • ”ኣማራጺ ዑቕባነት ከም ዘድልዮ ሰብ” ዚብል ናይ ዑቕባነት-ደረጃ ረኺብካ፤ እቲ ዑቕባ ንምሕታት ዘእተኻዮ ምልክታ ግን፤ እንተ ደጐየ ኣብ 24 ሕዳር 2015 ቀሪቡ ኰይኑ እዩ።

ንስኻ፡ ከም ”ኣማራጺ ዑቕባነት ከም ዘድልዮ ሰብ” ዚብል ዝተዋሂቡካ፤ እቲ ዑቕባ ንምሕታት ዘተኻዮ ምልክታ ግን ብድሕሪ 24 ሕዳር 2015 ኰይኑ፤ ንስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ክህልወካ ዚኽእል መሰል፤ ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ኩነታት ጥራይ እዩ።

ናባኻ ክግዕዙ ዚኽእሉ፡ ጥራይ እቶም ቀረባ ስድራኻ ‘ዮም

ከም ስድራቤት ኪቝጸሩ ዚኽእሉ፥ ሰብኣይካ፡ ሰበይትኻ፡ ምዝግብቲ ብዓልቲ-ሓዳርካን፡ ወይ መናብርትኻን፥ ከምኡ ውን እቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዀኑ ደቅኻን እዮም። ካልኦት ኣዝማድካ ወይ 18 ዓመት ዝመልኡ ደቅኻን፥ እንተ ደኣ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድ ተዋሂቡካ ዀይኑ፥ ናባኻ ናብ ሽወደን ክግዕዙ ኣይክእሉን እዮም። ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ምስ ዚኸውን፥ ወለድኻ ከም ናይ ቀረባ ቤተሰብካ ይቝጸሩ።
ቀዋሚ ዝዀነ መቐመጢ-ፍቓድ ዝረኸብካ ምስ ትኸውን፤ እታ ክትምርዓዋ ዝሓሰብካ ወይ ኣብ ሽወደን ናይ ሓዳር-ዓርክኻ ክትከውን ዝመደብካያ ሰብ ውን፤ መቐመጢ-ፍቓድ ረኺቦም ናብኻ መታን ክግዕዙ፤ ምልክታ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም።

ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ-ፍቓድ ምስ ዚወሃበካ፤ እታ ናይ ሓዳር-ዓርክኻ መቐመጢ-ፍቓድ ክወሃባ ዚኽእል፤ ንስኻ ይኹን ንሳ፡ ዕድሜኹም እንተ ወሓደ 21 ዓመት ክኸውን ይግባእ። ናብ ሽወደን ቅድሚ ምስዳድካ ውን፤ ብሓደ ዝተቐመጥኩም ክትኰኑ ይግባእ። ናይ ሓባር ዝወለድኩሞም ቆልዑ ምስ ዚህልዉኹም ግን፤ ነቲ ናይ ዕድመ ጠለብ ፍሉይ ኣረኣያ ይግበረልካ እዩ።
ንስድራቤትካ ዚወሃብ መቐመጢ-ፍቓድ፤ ልክዕ ክንድቲ ንስኻ ዘሎካ ናይ ፍቓድ ግዜ ንውሓት ጥራይ እዩ።

ነፍስኻ ናይ ምንባይ ጠለብ

ንስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ መሰል ምስ ዚህልወካ፤ እቲ ”ነፍስኻ ናይ ምንባይ ጠለብ” ዚብል ኩነት ድማ ይምልከተካ እዩ። እዚ ማለት ድማ፤ ንስኻ ንገዛእ ርእስኻን ንስድራቤትካን ባዕልኻ ክትናቢ ይግበኣካ ማለት ’ዩ።

ከምኡውን ስድራኻ ምስ መጹ ሓቢርኩም እትቕመጡሉ፤ እኹል ስፍሓትን ቅቡል-ደረጃን ዘሎዎ ቤት ክህልወካ ይግባእ እዩ።

ናትካ መናበዪ

ንስኻ፡ መታን ንዓኻን ነቶም ፍቓድ ንምርካብ ኣመልኪቶም ዘሎዉ ኣባላት ስድራቤትካን ክትናቢ ንኽትክእል፤ ብመልክዕ ስራሕ እተእትዎ ምዱብ ዝዀነ ደሞዝ ከም ዘሎካ፤ ክተርኢ ይግብኣካ። ብመልክዕ ስራሕ እትረኽቦ ደሞዝ ማለትና ድማ፤ ንኣብነት፡-

  • ደሞዝ ካብ ስራሕካ
  • ሓገዝ-ገንዘብ ስራሕ-ኣልቦነት
  • ሓገዝ-ገንዘብ ሕሙማን
  • ሰሪሕካ ዘእተኻዮ ናይ ጥሮታ ደሞዝ

ንስኻን እቶም መቐመጢ ፍቓድ ንምርካብ ኣመልኪቶም ዘሎዉ ኣባላት ስድራቤትካን፥ ክትነብሩሉ ትኽእሉ እኹል ዝዀነ ሃብቲ ምስ ዚህልወካ፥ ንስኻ ውን ነቲ ጠለብ ኣማሊእካዮ ኣሎኻ ማለት እዩ።

ናትካ እቶት

ነቲ ናይ ምንባይ ጠለብ ንኽተማልእ፤ ንስኻ እቶትካ ክንደይ ክኸውን ከም ዚግባእ ዚውሰን፤ ከከም ’ቲ ዕብየት ናይቲ ስድራቤትን፡ ክንደይ ወጻኢታት ናይ መቐመጢ-ገዛ ከም ዝሎካን እዩ። እቲ ክህልወካ ዚግባእ ገንዘብ፤ ነቲ ናይ ገዛ ወጻኢታት ብድሕሪ ምኽፋልካ፤ እቲ እኹል ዚበሃል ብዝሒ ገንዘብ (normalbelopp) እዩ። እዚ ማለት ድማ፤ በብወርሑ ክራይ ገዛ ብድሕሪ ምኽፋልካ፤ ንመግቢ፡ ክዳን፡ ጽሬት፡ ቴሌፎን፡ ሓይሊ-ኤሌትሪክ፡ ውሕስነታት ከምኡ ውን ካልኦት ነንእዋኑ ዘድልዩ ነንኣሽቱ ጊዚያዊ ወጻኢታት ኪሽፍን ዚኽእል ገንዘብ፤ ክህልወካ ኣሎዎ ዚብል ‘ዩ።
እቲ ኣብ 2019 ከም እኹል ገንዘብ ዚቝጸር፡-

  • 4 923 ክሮኖር ንሓደ ዓቢ ሰብ
  • 8 133 ክሮኖር ብሓደ ዝነብሩ ሰብሓዳር ወይ ኣዕሩኽቲ
  • 2 612 ክሮኖር ክሳዕ 6 ዓመት ዝዕድሚኡ ቆልዓ
  • 3 007 ክሮኖር 7 ወይ ልዕሊኡ ንዝዀነ ቆልዓ

መቐመጢ ገዛኻ

ንስኻ፡ ንዓኻን ንስድራኻ እትቕመጡሉ፤ እኹል ስፍሓትን ቅቡል-ደረጃን ዘሎዎ ቤት ክህልወካ ይግባእ እዩ። ንኽልተ ዓበይቲ ሰብ ብዘይ ቆልዓ፤ እንተ ወሓደ ሓንቲ ክፍሊ፤ ምስ ክሽነ ወይ ምስርሒ-መግቢ እኽልቲ እያ። ኣብቲ ገዛ ቆልዓ ውን እንተ ተወሲኽዎ ግን፤ ብዙሕ ክፍሊታት ክህልዎ ይግባእ። ክልተ ቆልዑ፡ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ክድቅሱ ይኽእሉ እዮም።
ብኻልኣይ ኢድ ገዛ ክትካረ ውን ይክኣል እዩ። እቲ ስምምዕ ናይ ክራይ ገዛኻ ጋን፤ በቲ ዋና ናይቲ ሕንጻ ክራይ-ኣባይቲ፤ ማሕበር ወነንቲ-ኣባይቲ ወይ ብዓልስልጣን ኮሚቴ-ኣባይቲ፤ ወግዓዊ ቅቡልነት ዝረኸበ ክኸውን ይግባእ።
እቲ መቐመጢኹም ገዛ ውን፤ ካብታ እቶም ስድራኻ ናብ ሽወደን ዝመጹላ ዕለት ጀሚሩ፤ ክትጥቀሙሉ ክትክእሉ የድሊ።

ካብቲ ነፍስኻ ናይ ምንባይ ጠለብ ፍልይ ዝበለ

እቲ ነፍስኻ ባዕልኻ ምንባይ ጠለብን፤ ገዛ ክህልወካ ምኽኣልን፤ ንዓኻ ኣይምልከተካን ’ዩ፤ እንተ ደኣ፡-
ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዓ ኴንካ

ከም ”ስደተኛ” ወይ ”ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ” ኴንካ፥ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ካብቲ ንስኻ መቐመጢ ፍቓድ ዝረኸብካሉ እዋን፥ ንሳቶም ውን ናይ መቐመጢ ፍቓድ ንምርካብ ዘመልከቱ ኣባላት ስድራቤትካ ዘሎዉኻ ኰይኖም እዩ። እዚ ከገልግለሉ ዚኽእል ኩነታት ግን፥ ነቶም ከም ኣባላት ስድራቤትካ ኪቝጸሩ ዚኽእሉ፥ ማለት፡ ንሰብኣይካ፡ ንሰበይትኻ፡ ንምዝግብቲ ብዓልቲ-ሓዳርካ፡ ከምኡውን ነቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዀኑ ደቅኻን ጥራይ እዩ። ኣብ ርእሲኡውን፡ ኣብ ሓንቲ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝዀነት ሃገር፥ ክትተኣኻኸቡሉ እትኽእሉ ኩነታት ምስ ዘይህሉ እዩ። ንስኻን እታ መናብርትኻን/መናብርትኽን ውን፥ ጥጡሕ ዝዀነ ዝምድና ዘሎኩም ክኸውን ይግባእ። እቲ ዝምድናኹም እንተደኣ ካብዚ ሃገር ወጻኢ ተጀሚሩ ዀይኑ፥ ከም ጥጡሕ ዝምድና ኰይኑ ኪቝጸር ዚኽእል፥ እንተ ደኣ ሰብ ቃል-ኪዳን ኴንኩም፥ ወይ ውን ርክብኩም ኣቐዲሙ ዝጀመረ ኰይኑ እዩ። እቲ ምልክታ ካብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዚግበር፥ እቲ ዝምድናኹም ኣብ ሽወደን ብሕጋዊ ኣገባብ እናነበርካ ዝተጀመረ ክኸውን ይግባእ
እቶም ኣባላት ስድራቤት ቅድሚኣኡ ወይ ኣብ 20 ሓምለ 2016 መቐመጢ ፍቓድ ንምርካብ ኣመልኪቶም ኰይኖም

ናይ መንበሪ ፍቓዱ ንምንዋሕ ኣመልኪቱ ናይ ዘሎ ሰብ ኣባላት ስድራቤት ኣሎዎም ኰይኑ እዩ።

ናይ ሰብ-ሓዳር (samboförhållande) ዝምድና ዘሎዎም ሰባት ማለት፥ ክልተ ዘይተመርዓዉ፡ ግን ሓቢሮም ዝነብሩ ጽምዲ ሰባት ማለት እዩ።

ብዛዕባ ስድራቤታዊ ዝምድናን ነፍስኻ ናይ ምንባይ ጠለብን ዚምላእ ኦርኒክ-ሕቶታት

እቲ ኣባል ስድራቤትካ ኣብ ሽወደን ምሳኻ ንምንባር፤ ናይ መቐመጢ-ፍቓድ ምልክታ ምስ ኣቕረበ፤ ብዛዕባ ’ቲ ዘሎኩም ዝምድና ንዚምልከት ሕቶታት ንኽትምልሽ፤ ሓደ ኦርኒክ-ሕቶታት ክወሃበካ እዩ። ነፍስኻ ናይ ምናባይ ጠለብ ዘሎካ ምስ ትኸውን ድማ፤ ንነፍስኻን ነቶም ናብ ሽወደን ንምምጻእ ኣመልኪቶም ዘሎዉ ኣባላት ስድራቤትካ ባዕልኻ ክትናቢ ከም እትኽእልን፤ እትነብሩሉ እኹል ስፍሓትን ቅቡል ደረጃን ዘሎዎ ቤት ከም ዘሎኩም ክተርኢን ከድልየካ እዩ።እቲ ንስኻ እትህቦ መልሲታት፤ ነቲ “ሚግራሾስንቨርከት” ብዛዕባ ኣባላት ስድራቤትካ ዚገብሮ መወሰኒ-መንጸፍ ፤ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ክትመልኦ ዝተሓተትካ ኦርኒክ-ሕቶታት ድማ፤ ኣብቲ ዝተባህለካ ሰዓት መሊስካ ክትልእኮ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ነቲ ነፍስኻ ናይ ምንባይ ጠለብን፤ ነቲ ናይ ገዛ ሕቶን ዘይተማልእ ዄንካ እንተ ተረኺብካ፤ እቲ ስድራቤትካ መቐመጢ-ፍቓድ ንምርካብ ዘቕረብዎ ምልክታ፤ ክንጸግ እዩ።

ቀዋሚ ዝዀነ ስራሕ ከምኡውን ናይ ነዊሕ ጊዜ ኮንትራት ክራይ-ገዛ ዘይብልካ ምስ ትኸውን፤ ነቲ ናይ ስድራቤትካ ምልክታ ኣብ ንምርምረሉ ጊዜ፤ ከም ብሓድሽ ነቶም ጠለባት ክተማልኦም ትኽእል ምዃንካ፤ ክተርኢ ከድልየካ እዩ።

እቲ ምልክታኻ ኣብ ጊዚኡ ክተቕርብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ’ዩ

እቶም ስድራቤትካ፡ ካብቲ ንስኻ መቐመጢ-ፍቓድ ዝረኸብካሉ ጊዜ፤ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ መቐመጢ ፍቓድ ንምርካብ ምስ ዘመልክቱ፤ እቲ ነፍስኻ ናይ ምንባይ ጠለብ ንዓኻ ኣይክምልከተካን እዩ። በዚ ምኽንያት ‘ዚ ድማ፤ እቲ ምልክታ ኣብ ሰዓቱ ክተእትውዎ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ።

ምልክታኻ ብቕልጡፍ ምእታዉ ርግጸኛ መታን ክትከውን፤ እቲ ዝበለጸ ኣገባብ እቲ ናይ ስድራቤትካ እተቕርቦ ምልክታ፤ ብኢንተርነት ብዚኣቱ ምልክታ (webbansökan) ክትጥቀም እዩ። ንስኻ ከም ወኪል ናይ ስድራቤትካ ዄንካ ኣብ ክንድኦም ምልክታ ክተቕርብ እንተ ዄንካ፤ ናይ ምክልና ሰነድ (fullmakt) ክህልወካ ይግባእ። “ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ዘእተኹሞ ምልክታ ምስ መዝገቦ፤ እቶም ስድራቤትካ ምስ ናይ ሽወደን ቤምባሲ ወይ ቆንስል፤ ርክብ ንምግባር ቆጸራ ክሕዙ ክንገሮም እዩ።

ናብቲ ንስድራቤትካ ብኢንተርነት ምልክታ ዚቐርበሉ፤ ናብዚ ዚስዕብ ኪድ።

ብዛዕባ ብኸመይ ንስድራቤትካ ምልክታ ከም ተቐርብ፤ ብዝበለጸ ኣብዚ ዚስዕብ ኣንብብ።

ውክልና ስልጣን ምርካብ እንታይ ማለት ’ዩ?

ናይ ውክልና ስልጣን ማለት፤ እቲ ፍቓድ ንምርካብ ዘመልክት ሰብ፤ ብሓደ ዝተፈረመ ሰነድ ጌሩ፡ ንኻልእ ሰብ ጉዳዩ ኣብ ምፍጻም ንኽውከሎ፤ ናይ ውክልና መዝነት ምሃብ ማለት ’ዩ። ናይ ውክልና ሰነድ ንኣብነት፤ ሓደ ሰብ ንዓኻ ወኪሉ ምልክታ ከቕርብ፤ ነቲ ንውሳኔ ዝቐረበ ምኽንያት ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ ክቕበል ወይ ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ ይግባይ ክብል፤ መሰል ምሃብ ማለት ’ዩ። እቲ ሰነድ ውክልና ስልጣን፤ በቲ ንኻልእ ሰብ ናይ ውክልና ስልጣን ዚህብ ዘሎ ሰብ ክፍረምን፤ ሚግራሾንስቨርከት ምስ ዚሓትት ድማ፤ ነቲ ቀዳማይ-ቅድሕ (ፎቶኮፒ ዘይኰነ) ናይቲ ሰነድ ክተርእን ክትክእል ኣሎካ።

ናይ ውክልና ስልጣን ንኻልእ ሰብ ንምሃብ፤ ደብዳበ ናብ ሚግራሾንስቨርከት ክትልእኽ የድሊ፤ ኣብኡ ድማ፡

  • እቲ ሰነድ፡ ናይ ውክልና ስልጣን ኣርእስቲ ክህልዎ
  • ስም፡ ዝተወለደሉ ዕለትን ኣድራሻን፤ ናይቲ ውክልና ስልጣን ዚህብ ዘሎ ሰብ
  • እቲ ውክልና ዝተዋህቦ ሰብ፡ እንታይ ንኽፍጽም ስልጣን ከም ዝተዋህቦ
  • ስም፡ ቁጽሪ መንነትን (ፐርሶን-ኑመር) ኣድራሻን ናይቲ ተቐባል ውክልና ስልጣን
  • ክታም ናይቲ ውክልና ስልጣን ንኻልእ ዚህብ ዘሎ ሰብ
  • እቲ ናይ ውክልና ስልጣን ድማ፤ ዝተጻሕፈሉ ዕለትን ቦታን፡ መዓስ ከም ዝተፈረመን ክሰፍሮ የድሊ።

ነቲ ተእትዎ ምልክታ ተኸታተሎ

እቲ ኣባል ስድራቤትካ ምልክትኡ ምስ ኣቕረበ፤ ናይቲ ዘእተዎ ፋይል መለለዪ-ቁጽሪ (ärendenummer) ይወሃቦ እዩ። በዚ መለለዪ-ቁጽሪ ፋይል ጌርካ ድማ፤ እቲ ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ዝኣተወ ምልክታ፤ ከም ዝተመዝገበን ወይ ውን ውሳኔ ተዋሂቡዎ እንተ ኰይኑን፤ ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com