Saturday , April 20 2024

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንነበርቲ አስተርሹንድ

ቤት ንባብ አስተርሹንድ ንኣህጉራዊ መዓልቲ መጽሓፍ ንቴድሮስ ኣብርሃምን ገጣሚ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤልን ንዕለት 23 ኣብሪል 2019 ካብ ሰዓት 18-:00 – 20:00 ከም ዕዱማት ብምእንጋድን ክጽንብሎ ምኻኑ ተፈሊጡ።

ብቴድሮስ ኣብርሃም ኣብ’ዚ ኣብ የምትላንድ እተመስረተ ኣሕታሚ እምኵሉ፡ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ የሕትም። ዮናስ ወልደሩፋኤል ካብ ኤርትራ ዝመጸ ጋዜጠኛ ኰይኑ፡ ናብ ሽወደን ድሕሪ ምምጻኡ ድማ ኣብ ኡምዮ ከም ተርጓሚን ፈጻሚ-ጕዳያት ኣብ ምውህሃድ
ስደተኛታትን ይሰርሕ። ቅድሚ ሒደት እዋን ዘሕተማ ስራሑ እኩባት ግጥምታት ዝሓቘፈት “እንቶሽ” ዘርእስታ መጽሓፍ እያ።

ኣብቲ ርክብ፡ ብዝያዳ ብዛዕባ ናጽነት ምግላጽ ሓሳብን ብዛዕባ ኣሕታሚ እምኵሉ ዘሕትሞም መጽሓፍትን ክንሰምዕ ኢና። ኣብቲ ናይ ርክብ ምሸት ዝዝረቡ ቋንቋታት፤ ትግርኛ፡ እንግሊዝኛን ሽወደንኛን ክዀኑ እዮም።

ኣህጉራዊ መዓልቲ መጽሓፍ፡ ብመጽሓፍቲን ንባብን ተድላ ንምዝርጋሕ፡ ከምኡ’ውን ንርዝነት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ናጽነት ሕትመት (ፕረስ)ን መሰላት ደረስትን ንምጽንባል ዓሊሙ ዩኔስኮ (ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንትምህርቲ፡ ስነፍልጠትን ባህልን) ብ1995 ኣተኣታትዮዎ። ተውሳኺ ዕላማ ኣህጉራዊ መዓልቲ መጽሓፍ፡ መጽሓፍቲ ኣብ ዕዮታት ቃልሲ ኣንጻር ድኽነትን ምድንፋዕ ሰላምን እንጥቀመሎም ኣገደስቲ መሳርሒ ምዃኖም ንምርኣይ’ውን እዩ።

ሚያዝያ 23፡ ኣብ ዓለም ስነ-ጽሑፍ ሰንደቓዊ ትርጕም ዘለዋ ዕለት’ያ፣ ምኽንያቱ መዓልቲ ዝክር ሰርቫንተስ፡ ሼክስፔርን ኢንካ ጋርሲላሶ ዴ ላ ቬጋስን’ውን ብምዃና።

ኣብ’ዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ መጽሓፍ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ’ዘን ትሒተን ተጠቒሰን ዘለዋ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ብኣሕታሚ እምኵሉ ዝተሓትማ መጽሓፍቲ’ውን ክንሰምዕ ኢና፤

1. “ባህጊ”፡ በቲ ካብ 2017 ክሳዕ 2019 ናይ ሉልዮ ኮሙን ‘ደራሲ ግኡዛን ከተማታት’ (fristadsförfattare) ዝዀነ ተስፋጊዮርጊስ ሃብተ ዝተደርሰት ልብ ወለድ። ተስፋጊዮርጊስ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ከም ህዝባዊ ርክባት፡
ከምኡ’ውን ጋዜጠኛ ናይ’ታ ትምህርታዊ መደባት እትፍኑ ዝነበረት ራድዮ ባናን ኰይኑ ክሳዕ 2008 ኵሎም ጋዜጠኛታታ ተኣሲሮምን እታ ራድዮ እትዕጾ ሰሪሑ። ተስፋጊዮርጊስ፡ ድሕሪ ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈቲሑ። ከም ‘ደራሲ ግኡዛን ከተማታት’ ኣብ ሉልዮ ዝነበረሉ እዋን፡ ነዛ “ባህጊ” ዘርእስታ ቀዳመይቲ ልብ ወለድ መጽሓፉ ጽሒፉዋ፣ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ብመንገዲ ኣሕታሚ ብላክ ኣይላንድ ቡክስ ክትሕተም ኣብ ምድላዋት ክትርከብ እንከላ፡ ብቛንቋ ትግርኛ ግን ድሮ ብኣሕታሚ እምኵሉ ንንባብ በቒዓ ትርከብ።

ትሕዝቶኣ፤ ባህጊ፡ ፍሉይ ተውህቦ ዘለዋ ጓል ኰይና፡ ኣቦኣ – ደራሲ ኣስመሮም –ባህግታታን ሕልምታታን ክዉን . ንምግባሮም የተባብዓ። ልክዕ ከም ብዙሓት ነጻ ዝኣተሓሳስባኦም ሰባት ብዓይኒ ጥርጣረ ተራእዮም ንማእሰርቲ ዝቃልዑዎ፡ ንሱ’ውን ዕጫኦም ይገጥሞ። ኣስመሮም፡ ምስ ስድራኡ ርክብ ዘካይደሉ ኣገባባት ብምፍጣር፡ ዛንታታት ኣጽሊቝ ንምውጻእ ድማ ይዕወት። ‘ሕልሚ ኣሎካ’ዶ፧’ ዝብል ሕቶ፡ ሕመረት ትረኻ’ዛ ልብ ወለድ እዩ። እንተዀነ፡ ኣብ ሓንቲ ካብ’ተን ጨካናት ውልቀ-መለኽቲ ዝርከቡወን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሰብ ሕልሙ ወኒኑ ከግህዶ’ዶ ይኽእል፧

2. “እንቶሽ፤ 102 ግጥምታት”፡ እኩባት ግጥምታት ብዮናስ ወልደሩፋኤል።

3. “ኢትዮጵያ ካበይ ናበይ፧” ዘይልብ ወለዳዊ ስራሕ ብመሓመድ ሓሰንን ግሬጓር ላልየን፡ ትርጕም ሩት ስምኦን። “ኢትዮጵያ ካበይ ናበይ፧” ኢትዮጵያ ካብ ቅድሚ ሚኢቲ ዓመታት ከም ውህድቲ ሃገር ካብ እትቐውም ክሳዕ 2016 እትትርኽ ስራሕ
እያ። ብመልክዕ ቃለ-መሕትት ኣብ መንጎ ክኢላ ጂኦፖሊቲካን ዓረባዊ ዓለመን መሓመድ ሓሰን (ዶ/ር) ከምኡ’ውን ግሬጓር ላልየን ናይ ኢንቨስቲግ’ኣክሽን ዝበሃል ናይ ቋንቋ ፈረንሳይኛ መርበብ ሓበሬታ ዝቐረበት መጽሓፍ እያ። እዚ ብኽኢላ ትርጕም ዝዀነ ሩት ስምኦን ዝቐረበ ትሕዝቶ፡ ናይ’ቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ግዜኣት ከምኡ’ውን ከመይ ኢላ ኢትዮጵያ ናብ’ዚ ዘላቶ ኵነታት’ዚ ክትወድቕ ከም ዝኸኣለት ይትንትን።

ሩት ስምኦን ምኵርቲ ጋዜጠኛ፡ ደራሲትን ተርጓሚትን ኰይና፡ ዝሓለፉ ስራሓታ ኣብ መሰል ደቀንስትዮ፡ ዮጋ፡ መጽሓፍቲ ቈልዑ፡ ቋንቋን ጂኦፖሊቲካን የተኵሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com