Thursday , April 25 2024
ስእሊ፥ homehippo.ug. ከባቢ ካባላጋላ፡ ካምፓላ።

ኣገዳሲ ሓበሬታ ን ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳ ካብ Refugee on the Move

ናብ ኡጋንዳ ዝኣትው ዘለው ኤርትራውያን ሓደስቲ ስደተኛታት ክፈልጥዎምን ክህልውዎምን ዘገድሱ ሓበሬታታት

ካብ መፋርቕ ናይ’ዚ ዓመት ጀሚሩ ልዑል ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ይምዝገብ ኣሎ። ካብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ካብ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ኬንያ ኣቢሎም ናብ ኡጋንዳ ዝኣትው ናይ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝሒ ኣዚዩ ልዑልን ኣተሓሳሳብን እና ኰነ ይኸይድ ኣሎ።

ናብ ከተማ ካምፓላ ድሕሪ ምእታዎም፡ ኦልድ ካምፓላ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ተደኲኑ ዝርከብ ሓደስቲ ስደተኛታት ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝስንድሉ መደበር ፖሊስ ዝበጽሑ ዘለው ኤርትራውያን ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣሃዝ ዝተዓጻጸፈ ኾይኑ’ሎ። ኣብ መደበር ፖሊስ ንኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ዝተመደበ ጊዜ፡ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ፡ ማለት ሓሙስ ጥራይ እኳ እንተኾነ፡ ምስ’ዚ ዘሎ ብዝሒ ሓደሽቲ ሓተቲ ዑቕባ ግን እቲ መደበር ፖሊስ መዓልታዊ (ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ) ጠለብ ኤርትራውያን ሓተቲ ኦቕባ ክቕበል ተገዲዱ ኣሎ። ንመሰረት ካብ’ቲ መደበር ፖሊስ ዝተረኽበ ሓበሬታ ድማ መዓልታዊ ብገምጋም ልዕሊ 70 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሕቶ ዕቕባኦም የቕርቡ።

ብሰንክ ኣብ’ቲ መደበር ፖሊስ ዘሎ ዝሕቱል ኣሰራርሓ ግና እቶም ሓደስቲ ሓተቲ ዑቕባ ጉዳዮም ኣብ ግዜኡ ከጻፍፉን ዘድሊዮም ሰነዳት ካብቲ መደበር ክሕዙን ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላው ሓያሎ ኤርትራውያን የማርሩ።

ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ብመንገዲ ኬንያ ዝመጸ ኣቶ ሰለሙን (ንድሕነቱ ንምባል ሓቀኛ ስሙ ተዓቂቡ እዩ) ኣብ ኦልድ ካምፓላ ፖሊስ በጺሑ ክምዝገብ ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ተመላሊሱ ናብ ኦ.ፒ.ኤም ድሕሪ ምኻዱ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ቆጸራ ተዋሂብዎ ክሳዕ ሕጂ ናይ ሓተቲ ዑቕባ ሰነድ (Asylum seeker certificate) ከምዘይረኸበ ይሕብር። ብኣባላት ጸጥታ ኣብ ዝኾነ እዋን ክቕየድ ተኽእሎ ስለዘሎ ድማ ክሳዕ ግዜ ቆጸራ ብስክፍታ ይንቀሳቐስ ምህላው ይዛረብ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ኡጋንዳ ዝኣተወት መንእሰይ መርሃዊት (ሓቀኛ ስማ ኣይኮነን) ብወገና ፥ ብዘይካ’ቲ ዝወሃብ ኣዚዩ ነዊሕ ቆጸራ፡ ኣብ’ቲ እኹል መጽለሊ ዘይብሉ መደበር ንነዊሕ ሰዓታት ክትጽበን ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ካልእ እዋን ተመለስ ኽትበሃልን ፈጢሩላ ዘሎ ጭንቀት ከቢድ ምዃኑ ትገልጽ።

ኣብ’ቲ መደበር ፖሊስ ከም ተርጎምቲን ኣሳለጥቲን ተቖጺሮም ዝሰርሑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ካብ ቀንዲ ጠንቂ’ቲ ዝረአ ዘሎ ምድንጓያትን ኮለልን ምዃኖም ዝሓበረ ሓደ ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ፡ እቶም ኣሳለጥቲ ምስ ሓለፍቲ እቲ መደበር ናይ ረብሓ ዝምድና ፈጢሮም ካብቶም ዑቕባ ክሓቱ ዝመጹ ኤርትራውያን ሓደስቲ ስደተኛታት ብላዕ ክሓቱን ክኸፍሉ ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ኣሳልጦ ከይረኽቡን ይዋስኡ ምህላዎም ኣምሪሩ ይዛረብ። ንሱ ወሲኹ፡ ዛጊት ሓሙሽተ ግዜ ናብ’ቲ መደበር ተመላሊሱ ከምዘሎን፡  “እቲ ሓላፊ የለን፡ መጀመርያ ነቶም ናይ ዝሓለፈ መዓልታት ኢና ንውድአሎም!” ዝብል ምስምስ ብምቕራብ ሰብ ገንዘብ ኣብ ሓጺር ሰዓታት ወዲኦም ከምዝኸዱ  ገሊጹ።

ስለዝኾነ ፡ ኤርትራውያን ሓደስቲ ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ኣትዮም ዑቕባ ኣብ ዝሓትሉ ክገብርዎን ከማልእዎን ብዛዕባ ዘለዎም መሰረታውያን ነገራት መባእታዊ ኣፍልጦ ኽህልዎም ነዚ ስዒቡ ዝቐርብ ነጥብታት ምስትብሃል ኣገዳሲ ይኸውን።

  • ፈለማ፡ ኣብ መደበር ፖሊስ ኦልድ ካምፓላ ብምኻድ ፡ ኤርትራዊ ወረቀት መንነትን ናይ ፓስፖርት-ዓቐን ስእልን ብምቕራብ ፎርም ትመልእ። ሕጻናት ትሕቲ 18 ዓመት ምስ ወለዶም ፡ ልዕሊ 18 ዓመት ድማ ንውልቆም ይምዝገቡ።እቲ ዝተመልአ ፎርም ናብ ዝምልከቶ ሓላፊ ድሕሪ ምቅራብ ስምካ ዝሓዘት ካርድ ትወሃበካ’ሞ ናብ ኦ.ፒ.ኤም ተምርሕ።
  • ኣብ ኦ.ፒ.ኤም ብምኻድ ቆጸራ ትሕዝ’ሞ፡ ኣብቲ ዝተባህለካ ዕለት ትቐርብ። ኣብ’ኡ ስእልኻ ተላዒሉ ናይ ኣጻብዕትኻ ኣሰር ምስተወስደ ሻቡ ናይ ሓተቲ-ዑቕባ ሰነደ (ኣሳይለም ሲከር ሰርቲፊኬት) ይወሃበካ። ናብዚ ቤት-ጽሕፈት ኣብ ንቐርበሉ ክንረኽቦም እንኽእል ሰነዳት፥ኤርትራዊ ወረቐት መንነት፡ ናይ መርዓ ምስክር፡ ናይ ዉሉድ ምስክር፡ ናይ ትምህርት ምስክር ን ክንማላእ ሓጋዚ’ዩ። ኩሉ ኣባል ስድራቤት ኣብቲ ዕለት ክቐርብ ይግባእ። እቲ ግዝያዊ ወረቐት ካብቲ ዝተዋህበካ ዕለት ጀሚሩ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዘገልግል ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ  ናብ’ቲ ዝወሰድካሉ ቦታ ብምኻድ ክሕደስ ይግባእ።
  • ኣብ እዋን ቆጸራኻ ምርካብ፥ ነቲ ቃለ መሕትት ዘካይደልካ በዓል-መዚ ድማ ካብ ሃገርካ ተሰዲድካ ኣብ ኡጋንዳ ዑቕባ ክትሓትት ዝደረኹኻ ጸገማትን ምኽንያታትን ብንጹር ምሕባር የድሊ። ጉዳይካ ገዲፍካ ንካልኦት ዘጋጥሞም ምዝርዛር ንጉዳይካ ንድሕሪት ዝጎስስን ዘይቅቡልን ካብዝገብሮ ነገራት ምዃኑ ሓለፍቲ ናይቲ ቤትጽሕፈት ብተደጋጋሚ ዝህብዎ ሓበሬታ ክንጥቀመሉን ክንፈልጦን በዚ ኣጋጣሚ ደጊምና ንሕብር።
  • ድሕሪ ቃለ መሕትት ምክያድካ፡  ጉዳይካ ዑቕባ ክወሃቦ ይግብኦ’ዶ ኣይፋሉን ንዝብል ብ መማይት ኮሚቴ  ተራእዩ ውሳኔ ይወሃበካ። በታ ኮሚቴ ዝተዋህበካ ውሳኔ ዕጉብ ምስ’ዘይትኸውን ፡ ድሕሪ ውሳኔ ኣብ ዘለዋ 30 ናይ ስራሕ መዓልታት ይግባይ ክትሓትትን ጉዳይካ ዳግም ኽርአ ኽትጠልብን መሰል ኣሎካ።
  • ናይ ጥዕና ሽግራት፡ ፋይናንሳዊ ጸገማት ይኹን ኣብ ኡጋንዳ ነዊሕ ኽትነብር ዘስግኣካ ኩነት ምስ ዝህሉ፡ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ወይ ድማ ናብ Inter Aid Uganda ብምኻድ ሓበሬታን ሕጋዊ ምኽርን  ክትረክብ ይከኣል።
  • ብመሰረት ኣብ ኣዋጅ ስደተኛታት 2006 ናይ ኡጋንዳ፡ ዝኾነ ይኹን ሓታቲ ዑቕባ ናይ ስደተኛ ሰነዳት ንምርካብ ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ኣይሕተትን፥ ዝኾነ ውልቀሰብ ጉዳይ ስደተኛ ንምስላጥ ገንዘብ ከኽፍል ዝተረኽበ ብሕጊ ተሓታቲ ይኸውን ። ኸም’ዚ ዝኣመሰለ ተርእዮ ምስ ዘጋጥመኩም፡ ናይቲ ገንዘብ ዝሓተተኩም ሰብ ስምን ኣድራሻን ዝነበረ ኩነታትን ቦታን  ዝጠቕስ ሓበሬታ ብኢሜይል ናብ  africa@rorypecktrust.org ክትጽሕፉ ይከኣል’ዩ።
  • ብዘይካዚ ንዘጋጥመና ሽግራት ሕጋዊ ሓገዛት ንምርካብ ኣብ ከባቢ ኦልድ ካምፓላ ፕራይመሪ ስኩል ዝርከብ Refugee law project ብምኻድ ሕጋዊ ሓገዛትን ምኽርን ክንረክብ ንኽእል። ኣብዚ ቦታ ብዘይካ ሕጋዊ ሓገዛት ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ትምህርቲ ከምዝወሃብ’ውን ምፍላጥ ግቡእ’ዩ።

ንስደተኛታት ናይ ዘገድሱ ቤት ጽሕፈታት ወይ ትካላት ምሉእ ኣድራሻ

·   መደበር ፖሊስ ኦልድ ካምፓላ (ኣብ ኦልድ ካምፓላ ዝርከብ ኮይኑ) ኣብ ኦልድ ካምፓላ ሮድ ይርከብ ,ቴሌ +256414250613

·   Office of Prime Minister/OPM (ኦፒኤም) ኣብ ከባቢ ናንኩላብየ ሰር ኣፖሎ ካግዋ ሮድ ፕሎት 43፡ ቴለ +256414230758 / +256414230768

·   UNHCR branch office (ጨንፈር ቤት ጽሕፈት) ፕሎት 179 ሰር ኣፖሎ ካግዋ ሮድ ጎኒ ኦፒኤም , ቴሌ፡ +256780358266

·   Inter Aid Uganda (ኢንተር አይድ ኡጋንዳ) / ኣብ ሜንጎ ዝርከብ ኮይኑ ሰር ኣልበርት ኩክ ሮድ ፕሎት 254,

ቴሌ, +256392002333

·    UNHCR head office Uganda /ፕሎት 18, ፕሪንስ ቻርለስ ድራይቭ ኮሎሎ ቴለ +256414231231

·    Refugee Law Project /ፕሎት 9, ኮሮኔሽን ሮድ ኦልድ ካምፓላ ፊቱ ንመባእታ ቤት ትምህርቲ ኦልድ ካምፓላ፣ ቴሌ- +256414343556

መሰልን ግዴታን ስደተኛ ኣብ ኡጋንዳ

ብመሰረት ሕጊ ኡጋንዳ  መሰልን ግዴታን ኹሉ ስደተኛ ብሓፈሻኡ ነዚ ዝስዕብ ይመስል

መሰል ስደተኛ

  • ስደተኛ ምዃኑ ዝገልጽ መንነት ወረቀት ክወሃቦ
  • ክሳብ እቲ ዝተዋህቦ ግዜ ዘብቅዕ ኣብ ኡጋንዳ ክጸንሕ
  • ምዕሩይን ፍትሓውን፡ ኣድልዎ ዘይብሉን ኣተሓሕዛ ክህሉዎ
  • ዝኾነ ይኹን ስደተኛ ናይ መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ ክመሃር
  • ዝኾነ ይኹን ስደተኛ ኣብ ማእከላት ጥዕና ቀሪቡ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ክረክብ (ማዕረ ዜጋታት መሰል ኣለዎ)
  • ንብረት ናይ ምውናንን ምሻጥን
  • ብሞያኻ ምስራሕን ከምኡውን ዝኾነ ናይ ስራሕ ዕድላት ክህልዎ
  • ኣብ ውሽጢ ኡጋንዳ ብነጻ ምንቅስቃስ
  • ማሕበር ናይ ምቋምን ደረት ዘለዎ ናይ ምንቅስቃስ ነጻነትን
  • ናይ መገሻ ሰነድ (Travel Document) ክወሃቦን (ብጸጥታዊ ምኽንያት እንተዘይኮይኑ)

ግዴታ ስደተኛ

  • ኩሉ ብመንግስቲ ኡጋንዳ ዝተሓገገ ሕግን ስርዓትን ምኽባር
  • ንጸጥታ ሃገረ ኡጋንዳ ዘስግእ ምንቅስቃሳት፡ ንጥቕሚ ህዝቢ ዝጎድእ ተግባራት ይኹን ንህዝባዊ ስርዓት ዘዕኑ ተግባራት ካብ ምፍጻም ምቁጣብ
  • ኣብ ሃገራዊ ይኹን ዞባዊ ፖሎቲካዊ ንጥፈታት ሃገረ ኡጋንዳ ክትሳተፍ ኣይፍቀድን
  • ኣብ ውሽጢ ኡጋንዳ ኮይንካ ኣንጻር ዝኾነት ሃገር ይኹን፡ መበቆል ሃገርካ ዝኾነ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ምክያድ ኣይፍቀድን
  • ዝኾነ ይኹን ስራሕ ወይ ኣታዊ እንተለካ ብመሰረት ሕጊ ኡጋንዳ ዝተወሰነ፡ ግብሪ ክትከፍል ከምዝግባእ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com