Thursday , April 18 2024
Claudio Bresciani/TT

ኣፈኛ ባይቶ ኣንድርያስ ኖርሊን ምስ ስቴቫን ሉፈን ከሙኡውን ምስ ኡልፍ ከራተርሰን ብዛዕባ ምምስራት ሓድሽ መንግስቲ ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ።

እዘን ዝስዕባ ዕለታት ኣብ ፈተነ ምቛም መንግስቲ ክፋለን ከበርከታ ትጽቢት ዝግበረለን እየን።

ታሕሳስ 28 ከሙኡውን ጥሪ 4

ስቴቫን ሉፈን ከሙኡውን ኣፈኛ ባይቶ ኡልፍ ከራተርሰን ብዛዕባ ውጥን ምቛም መንግስቲ መግለጺ ክህቡ እዮም።

ጥሪ 10

ኣፈኛ ባይቶ ምስ ኡልፍን ከራተርሰን ኣብ ህንጻ ባይቶ ሪስክዳግ ክራኸቡ እዮም።

ጥሪ 14

ኣብ መንጐ ኣፈኛ ባይቶ ምስ ኲሎም መራሕቲ ሰልፊ ሰፊሕ ዘተ ከካይዱ እዮም። ድሕሪኡ ፕረሲደንት ሓድሽ ሕጹይ ቀዳማይ ሚኒስተር ከቕርብ እዩ።

ጥሪ 16

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ሪክስዳግ ድምጺ ክወሃቦ እዩ። ኣብቲ መዓልቲ ክካየድ እተሓስበ ዘተ ባይቶኣዊ መራሕ ሰልፊ ናብ ጥሪ 30 ክውዘፍ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ሳልሳይ ምሃብ ድምጺ እንተ ዘይተመሪጹ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ምሃብ ድምጺ ብ 23 ጥሪ ክካየድ እዩ።

እዚ ራብዓይን ድምጺ እንድሕር ፈሺሉ

ተወሳኺ ምርጫ ክካየድ እዩ። እዚ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ ክፍጸም። ምርጫ ወትሩ ሰንበት መዓልቲ ስለዝካየድ ሰንበት 21 ሚያዝያ ምርጫ ዝካየደላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ክትከውን እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com