Friday , March 29 2024
Vilhelm Stokstad/TT

ኣፍራስ ሀርፐስ ብዝተባህለ ሕማም ቈርበት ዝስዕብ ቫይረስ ከም እተጠቕዑ ተገሊጹ::

ኣብ ሰለስተ ጋጻት ስቶክሆልምን ኣፕሳላን ዝርከቡ ኣፍራስ ሀርፐስ ብዝተባህለ ሕማም ቈርበት ዝስዕብ ቫይረስ ከም እተጠቕዑ ተገሊጹ።

እዚ ኢኳይን ሄርፐስ ቫይረስ ታይፕ ዋን ዝበሃል ቫይረስ ምብርዓን ጥንሲን ሞትን ኣፍራስ ከስዕብ ከም ዝኽእል ይንገረሉ።

እዚ ኲነታት ኣዝዩ ጽንኲር ምዃኑን ሃገራዊ ሕክምና እንስሳ ሽወደን ካብዞም እተበከሉ ጋጻት ክርሕቁን ክሳብ ውሸባ እዞም ኣፍራስ ዝግበር ናብኣቶም ካብ ምቅራብ ክቚጠቡን ወኪል መንግስቲ Karin Bergström ኣፍሊጣ’ላ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣፍቀርቲ ኣፍራስ ክሳብ መጋቢት 7 ወለንታዊ ደው ምባል ቅድድም ኣፍራስ ክገብሩ ምኳኖም ሓቢሮም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com