Wednesday , April 17 2024

ኣፍሮሽወደን መበቖል ዘለዋ ንመጀመርያ ግዜ መራሒት ሰልፊ ኮይና ተመሪጻ!!

ትማሊ ዓርቢ ሰልፊ ሊቨራልና ን መርሒ እዚ ሰልፊ ንምምራጽ ኣብ ዝገብሮ ኣኼባ ን ያምኮ ሳቡኒ ናይ መጀመርያ ግዜ ጟል ኣነስተይቲ ኣፍሮ ሽወደን ኮይና ተመሪጻ። እዚ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ኣብ ሶደርማልም ዝተጋብኤ ሰሊፊ ሊበራል ኣብ ዝገብሮ ምርጫ እዩ ከም መራሒት እዚ ሰልፊ ገሪ ዝመረጻ። ያምኮ ሳቡኒ ኣብ ዘስማዕቶ ቓል ንኹሎም ብ ድምጾም ዝደገፍዋን መወዳድርታ ኮይኖም ዝቀረቡ ኤሪክ ኡለንሃግን ጆሃን ፐርሶን ድሕሪ ምምስጋን፣ ሰልፊ ሊበራልና ን ዝሃበኒ ሓልፍነት ኣብ ሸቶ ንምብጻሕ ዝኽኣላ ከምትገብር ቃል ኣትያ።

ንሳ ወሲኻ ሽወደን ሰፊሕ ዕደል ዘለዋ ሃገር ኮይና ግን ጸገማት ከም ሽቕለት ኣልቦነትን ድማ ከምዘሎን ብዝኽኣለና መጠን ክንቖጻጸሮ ከምዝለና ክትብል ሓቢራ። ንሳ ትመርሖ ሰልፊ ሊበራል ዝዓበይ ትኹረት ኣብ ምጉዳል ከባቢያዊ ብኸለትን ምዕባይ ኣብ መድያት ጥዕና ዝያዳ ኣተክሮ ገራ ብምግባር ንዝያዳ ምዕባለ ሽወደን ከምትሰርሕ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com