Friday , March 29 2024

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሽወደን ዛጊት ብዘይ ኣምባሳደር ምህላዉ ተገሊጹ።

ኮሚተ ወጻኢ ጒዳያት ሰኔት ትማል ረቡዕ ንሕጹይ ትራምፕ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሽወደን ቢልዮኔር ኬን ሀርሊ ድምጺ ሂቡ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ብዘይ ኣምባሳደር ክዓዪ ካብ ዝጸንሐ 28 ዓመታት ሓሊፎም ኣለዉ።

ሓደ መዝነት ንኽንድዚ ዝኣክል ንውሓት ግዜ ባዶ ክጸንሕ ኣብ ታሪኽ ዲፕሎማሲ ፋልማይ እዩ ክትብል ተሌቪዥን ሽውደን ገሊጻ’ላ።

ድሕሪ ምምጻእ ፕረዚደንት ትራምፕ ሓደስቲ ኣምባሳደራት ናብ ኮፐንሃገን ስቶክሆልምን እኳ እንተተረቚሑ ንኽልተ ዓመትን መንፈቕን ኣብ መዝነቶም ከም ዘይተረኽቡ ተገሊጹ።

እዚ ሕጂ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሽወደን ኮይኑ እተመርጸ ኬን ሀርሊ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝሃብተሙ ሰባት ሓደ ምዃኑን Forbes ኣብ 2018 ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር ምርቋሑን ይፍለጥ።

እዚ ፍሉይ ኲነት ንኽኽሰት ምኽንያት ካብ ዝኾኑ ረቛሒታት ሓደ ትራምፕ ብዛዕባ ሽወደን ዘለዎ ምስ ጒዳይ ድሕነት ዝተሓሓዝ ሕዱር ኣተሓሳስባ እዩ ክብል ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካን ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com