Thursday , April 25 2024

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ንኤርትራውያን ቪዛ ምሃብ ምቊራጹ ሓቢሩ።

ኤርትራ ካብ ኣመሪካ ንዝስጐጒ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ምምላስ ዕንቅፋት ብምዃና ኤምባሲ ኣመሪካ ንኤርትራውያን ናን ኢሚግሬሽን ቪዛ ምሃብ ምቊራጹ ሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ኣመሪካ ኣስመራ ብመሰረት ድንጋገ ኢሚግሬሽንን ናሽናሊቲን ዓንቀጽ 234(d) ብትእዛዝ ጸሓፊ መንግስቲ ምሃብ ቪዛ ክቋረጽ ከም ዝገበረ ተገሊጹ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኤርትራ ካብ ሕቡራት ኣመሪካ ናይ ዝምለሱ ተቐመጢ ዜጋታት ኤርትራ ዕንቅፋት ብምዃና እዩ ክብል ደብዳቤ እቲ ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ገሊጹ’ሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ጒዳይ ምትሕብባር ክሳብ ዘርእይ እዚ እገዳ ክቅጽል ምዃኑ’ውን ኣብቲ ደብዳቤ ኣስሚሩሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com