Friday , March 29 2024

ኤርትራዊት ሽወደናዊት ኣትሌት ምዕራፍ ባህታ ብጌጋ ን ሓደ ዓመት ተቐጺዓ!!

ኤርትራዊት ሽወደናዊት ተወዳዳሪት ናይ 5 ሸሕን 10 ሸሕ ሜትራ ብሰንኪን ምሕደራዊ ጸገም ኣብ ሃንደበታዊ ዝግበር መርመራ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት  ዘላቶ ቦታ ብልክዕ ብሰንኺ ዘምሕባራ ካብ መስከረም 2018 ዝሕሰብ ንሓደ ዓመት ኣብ ዝኾነ ዓይነት ውድድር ከይትሳተፍ መዝተኣገደት ፈደረሽ ኣትለቲክስ ሽወድን ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ኣትለቲክስ ሽወደን ሞዕራፍ እዚ መቕጻዕቲ ዝተበየነላ ብልክዕ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ወሲዳ ዘይኮነትስ ብስንኪ ጉጉይ ምምሕዳራዊ ጸገም ዘላቶ ቦታ ልክዕ ብዘይ ብሕባራ እዩ ክብል ገሊጽ። ምዕራፍ ባህታ ኣብ ጹቡቕ ቆሞና እንተሃልያ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ከትማ ዶሓ ቐጠር ዝካየድ ውድድር ኣትለትክስ ቻምፕዮን ዓለም ክትሳተፍ ክትክእል እያ።

ከምዝፍለጥ ኣትለት ምዕራፍ ባህታ ን ሽወደን ተሻላሚት ወርቂ ኣብ 5 ሽህ ሜትሮ ኣብ  ሻምፒዮን ኤውሮጳ ኣብ 2014 ኣብ 2018 ድማ ናይ ነሓስ መዳልይ ከተግዝማ ኪኢላ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com