Friday , April 19 2024

ኤርትራዊ ደራሲ፡ ንሽልማት Västerbottning ተሓጽዩ

ደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም፡ ኣብቲ ዓመታዊ ብሽወደናዊት ጋዜጣ VÄSTERBOTTENS-KURIREN ዝካየድ፡ ብሉጽ ድርሰታዊ ኣበርክቶ፡ ዝብል ውድድር፡ ከም ሕጹይ ኮይኑ ከምዝቐረበ ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬታ ናይታ ጋዜጣ ሰፊሩ ይርከብ። እዛ ጋዜጣ ካብ ዝሓጸየቶም ሸሞንተ ስነጥበባውያን እቶም ሸውዓተ ሽወደናውያን ክኾኑ ከለዉ፡ እቲ እንኮ መወዳድርቶም ወጻእተኛ ብምዃን ዝተረቑሐ ድማ ኤርትራዊ ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም ኮይኑ ኣሎ።

ተዓዋቲ ናይዚ ውድድር፡ ብብዝሒ ድምጺ ህዝቢ ዝውሰን ኮይኑ፡ ክሳብ 18 ታሕሳስ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ብዝተዋህበ ድምጺ ጥራይ ይውሰን። ነዚ ኣብ መንጎ ሽውዓተ ዜጋታት ሽወደን ዝወዳደር ዘሎ ኤርትራዊ ደራሲ ንምዕዋት ድምጺ ብምሃብ ኣብ ጎኑ ብምዃን ድምጽና ክንህቦ ይግባእ።

ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም በታ ሎሚ ዓመት ኣብ ሃገረ ሽወደን ዘሕተማ  “ወጽዓ’ታ ህጻን” ዘርእስታ መጽሓፍ እዩ ተሓጽዩ ዘሎ።

ንኣገባብ ኣመራርጻ ብዝምልከት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ዝርከብ ሊንክ ብምእታው ange din e-postaadress ኣብ ዝብል ኢ መይል ብምጽሓፍ፡ ካብቶም ኣብ ታሕቲ ዘለዎ ተወዳደርቲ ስእልን ስምን ብምርኣይ ኣብ ጎኒ ደራሲ ንዘላ ከባብ ቕርጺ ራይት ብምግባር ንሰዳ።

ማዕከን ሓበሬታ ኣልኮምፒስ፡ ንደራሲ ጸጋብርሃን ጎይታኦም ጽቡቕ ዕድል ንምነየሉ።

https://docs.google.com/forms/d/e/1FAIpQLSdATqaocavDazMXevBdzMQcGNOCK7TxomKes9f7SM4Q7a22TQ/viewform?fbzx=-4308978990220618171


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com