Friday , March 29 2024

ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን  ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራዉያን ነበርቲ ዝተፈላለየ ከተማታት ሽወደን ብዕለት 20 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ከተማ ያቭለ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እቲ ብኣዳላውነት ብስዊድናዊ ማሕበር ኣሲል ኮሜቴን ምጥርናፍ ስድራቤት ብዝብል መጸውዒ ናይ ዝተጠርነፉ ስድራቤታት ተወከልቲ ኮሜቴን ብሓባር ዝተዳለወ ሰልፊ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ብዝሒ ተሳታፋይ ከምዝነበሮን ተፈሊጡ። ተሳተፍቲ ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ተግባር ውዒሉ ዘሎ ግዝያዊ ሕጊ ናይ ሚግረሽን ንዝሳዓበ ስድራቤታዊ ምፍልላይን እሱ ዘከተሎ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጥታትን ቃለምስክርነት ሂቦም።

ተወከልቲ እቲ ስዊድናዊ ማሕበር ኣሲል ኮሜቴ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እዚ ግዝያዊ ሕጊ ሚግረሽን ንኣህጉራዊ ውዕል መሰል ህጻናትን መሰል ደቂ ሰባትን ዝጸረር ምካኑን ደው ክብል ወይውን ክመሓየሽ ኣለዎ ክብሉ ርእይቶኦም ገሊጾም። ብተወሳኺ ካብ ሓደ ፍሉጥ ገጣማይ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ስደት መሪጹና እምበር ኣይመረጽናዮን እሞ ስደትና ኣጹሩና ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ተነቢቡ።

ገለ ካብቲ ዝቀረበ ጉዳያት ድማ እዚ ግዝያዊ ሕጊ ማዕረ ክንደይ ንመሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባትን መሰል ስድራቤታዊ ጥርናፈን ከም ኡውን መሰል ህጻናት ግሂሱ ከምዘሎ ኣግሊሑዎዩ።

ተሳተፍቲ ብሓባር እዚ ዝስዕብ ጠለባት ብምቅራብ ቃልሶም ክሳብ እዚ ሕጊ ዝቅየር ከምዘየቃርጹ ሓቢሮም። ብተወሳኺ ተሳተፍቲ ኣብ ኩሉ እቲ ዝነብርዎ ከባቢታት ንዘለዎ ፖሎቲካውያን ሳዕቤን ናይዚ ሕጊ እንታይ ምኻኑ ብኣብነት ኣንዳሰነዩ ከረድኡ ከምዘለዎም ተሰማሚዕም።

  1. ኢምግሬሽን ሰብኣዊ መሰልናን መሰል ደቅናን ክሕሉ
  2. ንህሉው ኩነታትናን ኣብ ግምት ዘእተወ ሕጊ ክንደፍ
  3.  እዚ ግዝያዊ ሕጊ ስዊድን ደው ክብል ወይድማ ክመሓየሽ

ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ዝቀረቡ ጭርሖታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

  1. ህይወት ብዘይ ስድራቤት ትርጉም የብሉን
  2. ድልየትና ስድራቤትናዩ
  3. ደቅናውን ፍቅሪ ወለዲ ይደልዩ እዮም
  4. ኾሎም ህጻናት ምስ ወለዶም ክዓብዩ መሰል ኣለዎም።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com