Tuesday , April 23 2024

ኤርትራ፡ ብህጹጽ ካብ ኢትዮጵያ ክትወጽእ፡ ኣመሪካ፡ ጸዊዓ

ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ንጹሃት ዜጋታት ምርሻን ኣበርቲዓ ከም ዝቐጸለቶ ዝሕብር ጸብጻብ፡ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ድሕሪ ምውጻኡ፡ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ ብህጹጽ ክትወጽእ ጸዊዓ።

ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ክጽናዕ ድማ ጻውዒታ ኣቕሪባ’ላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቶም ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፉ ወገናት፡ ናብ ፍርዲ ከቕርቦም እየ ኢሉ ከም ዝሓበረ ዝዝከር ኮይኑ፥ መንግስቲ ኤርትራ እውን ተመሳሳሊ ስጒምቲ ክወስድ ይግብኦ” ክትብል እታ ወኪል ተዛሪባ።

ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ተፈጺሞም እተባህሉ ጾታዊ ዓመጽ ከጽንዖ እየ ክትብል እንከላ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝኾነ ገበን ኣይፈጸምኩን ዝብል ናይ ክሕደት መግለጺ ምውጽኣ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com