Thursday , April 25 2024

ኤርዶጋን ናብ ጀርመን ኢዱ ይዝርግሕ

ናይ ቱርኪ ፕረሲደንት ረ ጀፕ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ በርሊን ኣትዩ፡ ኣብኡ ድማ ንቻንሰለር ኣንገላ መርከል ኪረኽባን ምስቲ ፕረሲደንት ፈደራላዊት መንግስቲ ጀርመን፡ ፍራንክ ቫልተር ሽታይንማየር ከኣ ኪድረርን እዩ።

ድሕሪ ነዊሕ ናይ ወጥሪ ዝምድና በርሊንን ኣንካራን፡ ኤርዶጋን ሓድሽ ዝምድና ኪፈጥር ደልዩ። እታ 82 ሚልዮን ነበርቲ ዘለዉዋ ጀርመን፡ 3 ሚልዮን ቱርኪ ዝዓሌቶም ነባሮ ኣለዉዋ።

ኣብዚ ቱርኪ ምስ ኣመሪካ ተባኢሳትሉ ዘላ ግዜን፡ ቁጠባኣ ኸኣ ኣብ ቀውሲ ዘለወሉ ግዜን፡ እዚ ምብጻሕዚ ካብ ሞት ምድሓን ማለት እዩ ዚብሉ ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። ዝሓለፈ መጋቢት፡ ኤርዶጋን ንመርከል ከም ናዚስታዊ ኣገባብ ትኽተል ገይሩ ከሲሱዋ ነይሩ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቶም ኣብ ሃገር ጀርመን ዘለዉ ቱርካውያ ኣብቲ ሃገር ኣብ ምርጫ ንምስታፍ ዕንቅፋት ስለ እተጋጠሞም እዩ። እዚ ዘረባዚ ድማ ኣብ በርሊን ሕርቃን ፈጢሩ።

ኤርዶጋን ንመጀመርታ ግዜ እዩ ናብ ጀርመን ዚገይሽ ዘሎ። ንኽብሩ ድማ ውትሃደራዊ ንሻናትን ድራርን ኪካየድ እዩ። ኣብቲ መደብ፡ ምስ መርከል ዝርርብ ኪህሉ እዩ። ኤርዶገን ኣብ ኮልን መስጊድ ኪምርቕ እዩ። እቲ ምብጻሕ ክሳዕ ቀዳም ኪጸንሕ እዩ።  ።

ይኹንምበር በቲ ምብጻሕ ኩሉ ሰብ ሕጉስ ኣይኮነን። እቲ ፕረሲደንት ኣብ ጥቓ ኤርፖርት በርሊን ናይ ናጽነት ምዝራብ ዚድግፉ ተቓወምቲ ብድሆታት ተጓኒፉዎ እዩ። እዚ ድማ በቶም ረፖርተር ብዘይ ዶብ ዚብሉ ማሕበር እዩ ተመዲቡ። ኣብ ዝመጽኣ መዓልትታት እውን ተቓወምቲ ኣብ በርሊንን ካልኦት ከተማታትን ሰላማዊ ሰልፊ ከካዪዱ እዮም።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com