Thursday , April 18 2024
Security forces enter Litoral Penitentiary after deadly fights inside in Guayaquil, Ecuador, (AP Photo/Dolores Ochoa) XLM104

ኤኳዶር፥ ብሰንኪ ኣምባጓሮ እሱራት፡ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤኳዶር፡ ኣብ መንጎ ክልተ ተጻረርቲ ጒጅለታት፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ኣምባጓሮ፡ ብውሕዱ 116 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም። ከምዚ ዝበለ ጎነጽ፡ ኣብ ኣብያተ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጥም እኳ እንተኾነ፡ ክንድዚ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ክሞቱ ግና፡ ፋልማዩ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እዞም ጎነጽ ዝፈጸሙ እሱራት፡ ሊቶራል ካርቼሪ፡ ሃገረ ኤኳዶር ምስ ጒጅለ ምትሕልላፍ ዕጸ ፋርስ መክሲኮ ርክብ ከይሃለዎ ከም ዘይተርፍ ተገሊጹ። እቶም እሱራት፡ ብዘይካ እቲ ዝፈጸምዎ ቀጥታዊ ጎነጽ፡ ነተጒቲ ምድርባዮምን 400 ዝኾኑ ፖሊስ ተዋፊሮም ጸጥታ ከኽብሩ ምኽኣሎምን ተሓቢሩ።

ዳይረክተር ኣብያተ ማእሰርቲ ኤኳዶር፡ ቦሊቫር ጋርዞን፡ ንመደብር ሬድዮ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እዚ ዕግርግር ብጒጅለ ዕጸፋርስ መክሲኮ ከም ዝተኻየደ ገሊጹ’ሎ።

እዚ ቤት ማእሰርቲ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com