Thursday , April 25 2024
Roger Turesson/DN/TT

ኤውሮጳዊ ሕብረትን ጉዳይ ሰደተኛታትን

መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኤ.ሕ ገና ብዛዕባ ምምርቓሕ ስደተኛታት ኣይተሰማምዓን። ነዚ ጉዳይዚ ዚምልከት ኣብ ግብጺ ኪራኸባ ይሓስባ ኣለዋ። ኣብዚ ኣኼባዚ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ኪሳተፋ እየን። ርእይቶ መራሕቲ ኤ.ሕ፡ ግብጺ ነቲ ናብ ኤውሮጳ ዝዓለመ ዋሕዚ ስደተኛታት ደው ከተብሎ ትኽእል እያ ዚብል እዩ።

እቲ ሓሳባት በታ ናይ ኤ.ሕ ኣቦ መንበር ዝኾነ ኦስትርያን ብኣማኻሪ ዶናልድ ታስክን ዝቐረበ እዩ። እዚ ሓሳብዚ ቅድሚ ወርሒዝቐረብ እኳ እንተ ነበረ፡ ሽወደን ግን ብጥርጠራ እያ ትርእዮ ነይራ።

ናይ ኦስትርያ መራሒ፡ ግብጺ ንምግዳብ ዋሕዚ ስደተኛታት ጽቡቕ ኣበርክቶ ገይራ እያ፡ ስለዚ ምስኣ ተሓባቢርካ ምስራሕ ኣድማዒ እዩ ኢሉ።

ኣኼባ ኣብ ጥሪ

ግጽብን ካልኦት ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብቲ ኣኼባ ኪሳተፋ ድሉዋት እየን። ሎፍቨን ነቲ ተበግሶ ንኢዱዎ። እቲ ኣኼባ ኣብ ጥሪ 24-25 ኪካየድ ትጽቢት ኣሎ። እቲ ቦታ ድማ ሻርም ኣል ሸይክ እዩ።

ይኹንምበር ንግዴታዊ ምምቅራሕ ስድተኛታት ብዚምልከት ሽወደን ሓሳባ ኣይለወጠትን።

መራሒ ኦስትርያ፡ ሰባስያን ኩርዝ ኣብ ክንዲ ግዴታዊ ምምቕራሕ፡ ኣማራጺታት ዘለዎ ምምቕራሕ ከም ርእይቶ ኣቕሪቡ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ እተን ሃገራት ኣብ ክንዲ ስደተኛታት ዚወስዳ፡ ብገንዘብ ይትክኣኦ ማለት እዩ፡ ወይ ድማ ብኻልእ ዓይነት ኣበርክቶ። ካልእ ተመሳሳሊ ሓሳባት እውን ቀሪቡ ግን ምልኣተ ጉባኤ ኣይረኸበን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com