Tuesday , April 23 2024
A sign indicating COVID-19 restrictions, where access is allowed only for people who are vaccinated or recovered and tested, hangs at the entrance of a Christmas market in Essen, Germany (Roland Weihrauch/dpa via AP) BBL818

ኤውሮጳ . . . ክሳብ መጋቢት 2022፡ ልዕሊ 700 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ ኣውሮጳን ገለ ክፋላት ኤስያን ተወሰኽቲ 700 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ከም ዝኽእሉ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣጠንቂቑ።

እቲ ውድብ፡ ዞባ ኣውሮጳ ኢሉ ኣብ ዝሰመየን 53 ሃገራት ዛጊት 1.5 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም ምህላዎም ገሊጹ’ሎ። ክሳብ መጋቢት 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ 49 ካብዘን ሃገራት፡ ናይ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ክኣቱ ከም ዝኽእል እቲ ውድብ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

ኣብ ኣውሮጳ ተኸሲቱ ብዘሎ ደግሲ ለበዳ ኮሮና፡ ሃገረ ኦስትርያ፡ ደጊማ ዕጽዋ ክጸንዕ ወሲና ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ ካልኦት ሃገራት እውን ጽንዕ ዝበለ ሕግታት ክኽተላን ለበዋ ቀሪቡ’ሎ።

እዚ እናኾነ ንጀርመን፡ ፈረንሳን ግሪኽን ሓዊስካ ብርክት ኣብ ዝበላ ሃገራት ኣውሮጳ ክትባት ዜጋታት ኣብ ምቅልጣፍ ተጸሚደን ምህላወን እውን ተገሊጹ።

ይዂንምበር ኣብ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ነዚ ሕጊታት ኮቪድ ዝጻረሩ ናዕቢታት ይካየዱ ምህላዎም ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com