Wednesday , April 24 2024
a vial of the Phase 3 Novavax coronavirus vaccine (AP Photo/Alastair Grant, File) NYSB705

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ምስ ኩባንያ ኖቫቫክስ ውዕል ፈጺሙ

ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ምስ ኣሜርካዊ ኩባንያ ኖቫቫክስ፡ ናይ 200 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19 ንምግዛእ፡ መባእታዊ ስምምዕ ከምዝኣተወ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ተገይሩ ዘሎ ስምምዕ ተግባራዊ ዝኸውን፡ ኤውሮፓዊ ኤጀንሲ መድሃኒት፡ ነቲ ክታበት ተቐባልነት ምስ ዝህቦ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል ክብል ኤውሮፓዊ ኮሚሽን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ክታበት፡ ተቐባልነት እንተድኣ ረኺቡ፡ መመላእታ ናይቶም ኣብ ስራሕ ውዕሎም ዘለዉ ክታበት ፋይዘር ባይኖቴክ፡ ኣስትራ ዘነካ፡ ሞደርናን ጆንሶንን ክኸውን እዩ።

ካብቶም 445 ሚልዮን ዝኾኑ ጠቕላላ ህዝቢ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ እቶም 50.7%፡ ምሉእ እብረ ክታበት ከምዝተኸትቡ ኣሃዛዊ ጸብጻባት AFP ይሕብሩ። ክሳብ ሕጂ፡ 2.4 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ፋይዘር ቢዮንቴክ፡ ሃሊኹ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ነዚ ሓድሽ ስምምዕ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክሳብ ሕጂ፡ ካብ ሸውዓተ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት፡ ኣስታት 4.6 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበታት ኣውሒሱ ከምዘሎ፡ እቲ ሕብረት፡ ገሊጹ። ኤውሮፓዊ ኤጄንሲ መድሃኒት፡ ንክታበት ኖቫቫክስ፡ ኩረቫክን ሶኖፊን ተቐባልነት ንምሃብ ይምርምር ከምዘሎ ይፍለጥ።

ክታበት ኖቫቫክስ፡ ፕሮቲን ዝመሰረቱ ኮይኑ፡ ክሳብ 89% ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎ ይንገር።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com